ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ኣብ ኒጀር ንዘጋጠመ ሞት ወታሃደራት ንባይቶ መወሰኒ ሕጊ መብርሂ ሂቦም


ኒጀር ዝተቐትሉ ወታሃደራት ኣሜሪካ
ኒጀር ዝተቐትሉ ወታሃደራት ኣሜሪካ

ሰበ ስልጣን ሚንስትሪ ምኽልኻል ኣሜሪካ ብዛዕባ እቶም ኣብ መጀመርያ’ዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ኒጀር ብዳዒሽ ዝተቐትሉ ኣርባዕተ ወታሃደራት ኣሜሪካ ሎሚ ሓሙስ ንባይቶ መወሰኒ ሕጊ መብርሂ ሂቦም።

ምኽትል መከላኸሊ ንጉዳያት ዓለምለኸ ጸጥታ ሮበርት ካርዋን ምኽትል ዳይሬክተር ስርሓት ጸረ ሽበራ ሜጀር ጀነራል ሓይሊ ኣየር አልበርት አልተን ሎሚ ኣብ ዕጽው ኣኼባ ምስ ኮሚቴ ሓይልታት ሰራዊት ሰኔት ተዘራሪቦም አለው። እቲ ኮሚቴ ንበይኑ’ውን ከይዲ ምስማዕ ቃለ ምስክርነት አካይዱ’ዩ።

ድሕሪ’ቲ ከይዲ ምስማዕ ናይ ዲሞክራት ፓርቲ ኮንግረስማን ካብ ቴክሳስ ማርክ ቨሲ ዳዒስ ካብ ማእኸላይ ምብራቅ ኣብ ዝጠፍአሉ ዘሎ ኣብ ኣፍሪቃ ተወሰኽቲ ወታሃደራት ክትርእዩ ኢኹም ኢሉ።

ፕረዚደንት ትራሞፕ ነቲ ናይ ኒጀር ተልእኾ ንሶም ዝለአኽዎ ከምዘይኾነ ገሊጾም ግን ንጀነራላት ጽቡቕ ዝመሰሎም ክገብሩ ስልጣን ከምዝሃብዎ ተዛሪቦም አለው።

ካብ ካሊፎንያ ዲሞክራት አባል ኮንግሬስ ጃኪ ስፕየር ግን ትራምፕ ጠቅላሊ አዛዚ ሰራዊት ሃገር’ዩ ሓላፍነት ናይ ካልኦት እዩ ምባሉ ደው ከብል አለዎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG