ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጂም ጆርዳን ዳግማይ ንመዝነት ኣፈ-ጉባኤ ኣመሪካ ከምዝወዳደሩ ይገልጹ


ኣባል ቤት ምኽሪ ጂም ጆርዳን
ኣባል ቤት ምኽሪ ጂም ጆርዳን

ኣፈ ጉባኤ ተወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ንምዃን ተወዳዲሮም ዝተስዓሩ ሪፓብሊካዊ ኣባል ቤት ምኽሪ ጂም ጆርዳን ዳግም ከምዝወዳደሩ ምስ ገለፁ ኣብቲ ፓርቲ ደውታ ከምዝተፈጥረ ፀብፃብ ኣሶሴይትድ ፕረስ ገሊፁ።

ካብቲ ውድድር ኣይወፅእን እየ ዝበሉ ሪፓብሊካዊ ጂም ጆርዳን ኣብ ምርጫ ኣፈ ጉባኤ ደውታ ፈጢሮም ኣለው። ብርቱዕ ተቓላሳይን መሻርኽቲ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕን ዝኾኑ ጆርዳን ኣብቲ ውድድር ክዕወቱ ኣይክኣሉን። እንተኾነ ግን ንሶምን ርሑቕ የማናይ መሻርኽቶምን ንሪፓብሊካዊያን ብቐሊሉ ክውክል ንዝኽእል ሕፁይ ቦታ ክሓድጉ ኣይደለዩን።

ጆርዳን ዳግም ንክፍትኑ እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ሓሙስ ድሕሪ ስዓት ክእከብ እዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ብከምዚ ንነዊሕ እዋን ክፀንሕ እዩ ዝብል እምነት ኣሎ። ሪፓብሊካዊያን ኣባላት ቤት ምኽሪ ካልኦት ኣማራፂታት ይደልዩ ኣብዘለውሉ ብዛዕባ ቀፃሊ ስጉምትታት ርግፀኛታት ኣይኮኑን።

ገሊኦም ፅኑዕ መርገፂ ዘለዎም ሪፓብሊካዊያን እቲ ቤት ምኽሪ ዳግም ስርሑ ንክጅምር ነቲ ግዚያዊ ኣፈ ጉባኤ ዝበለፀ ስልጣን ብዛዕባ ምሃብ ዘሎ መደባት ይዘራረቡ ኣለው።

ጆርዳን ኣፈ-ጉባኤ ክኾኑ ዝገብሩዎ ጉዕዞ ብርግፅ ዘይክኣል ምዃኑ ንፁር እዩ።

ትማሊ ረቡዕ ንጆርዳን ንምምራፅ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ 22 ሪፓብሊካዊያን ተቓዊሞምዎም ኣለው።እዚ ድማ ብቕድሚ ትማሊ ካብ ዝነበረ ምርጫ ክልተ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ወሲኹ ኣሎ።

ኣባል መስራቲ ዓቓባዊ የማናይ ፍሪደም ካከስ ( Freedom Caucus) ዝኾኑ ጆርዳን ድሕሪ እቲ ናይ ትማሊ ስዕረት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ "ንኣባላት ምዝርራብና ክንቕፅል ኢና ፣ ኣብኡ ምስራሕና ክንቕፅል ኢና’’ ኢሎም።

ሃንደበታዊ ምብራር ኣፈ ጉባኤ ነበር ኬቨን ማካርቲ ካብ ዘጋጥም ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ብዘይ ኣፈ ጉባኤ 16 መዓልታት ኣቑፂሩ ኣሎ።

ሪፓብሊካዊያን 221 ብ 212 ብዝኾነ ድምፂ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዓብለልቲ ስለዝኾኑ ጆርዳን ንክዕወቱ ናይ መብዛሕቲኦም ድምፂ ክረኽቡ ኣለዎም። ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ 199 ድምፂ ዝረኸቡ ክኾኑ ከለው ዴሞክራት መራሒ ኣባል ቤት ምኽሪ ሃኪም ጀፍሪስ 212 ድምፂ ረኺቦም።

ጆርዳን ላዕለዋይ መሻርኽቲ ትራምፕ እዮም። ብፍላይ ድማ ባይደን ዝተዓወትሉ ናይ 2020 ፕረዝዳንታዊ ምርጫ ንምግልባጥ 6 ጥሪ 2021 ብደገፍቲ ትራምፕ ኣብ ካፒቶል ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ተሓባባራይ ትራምፕ እዮም ነይሮም። ድሕሪ ሒደት መዓልታት እቲ መጥቓዕቲ ትራምፕ ንጆርዳን ናይ ነፃነት ሜዳሊያ ብዝብል ዝፅዋዕ ዝለዓለ ኒሻን ከምዝሸለምዎም ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG