ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደብረ ማርቆስ: ንተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ዝወጹ ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ መውቃዕቲ ተፈጺሙ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደብረ ማርቆስ ዝሓለፈ ቀዳማ ንተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ዝወፁ ሰባት ብሓይልታት ፀጥታ መውቃዕቲ ተፈፂሙ ክብሉ ነበርቲ ኸሲሶም።ተቓዋሚ ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያዊያን /መኢኣድ/ ኣብ ከተማ ዳንግላ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፓርቲ ኣቶ ሙሉቀን ኣይናለም ዓርቢ ከምዝተኣሰሩ ሓቢሩ’ሎ።

ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ግን ናይ ሰልፊ ፈተነ እዩ ተኻይዱ፤በዝሒ ተሳተፍቲ እውን ውሑድ እዩ ይብል። ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ክልል ኣምሓራ ዝተፀውዑ ናይ ናዕቢ ፃውዒታት እውን ኣይተዓወቱን ኢሉ’ይብል ፀብፃብ እስክንድ ፍሬው።

ብኻሊእ ዜና ኣብ ኢትዮጵያ ንወፃኢ ናይ ዜና ማዕኸናት ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ማሕበር ኣብታ ሃገር ዘሎ ነፃነት ፕረስ ኣዚዩ ከምዝተሓሳሰቦ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።ኣባላት እቲ ማሕበር ስርሖም ኣብ ዝፍፅምሉ እዋን ማእሰርትን ምንክልባትን ከምዘጋጠሞም ወሲኹ ገሊፁ ይብል ፀብፃብ መለስካቸው ኣምሃ።

ብኻሊእ ዜና ናይ ኦሮሞ ዴሞክራቲክ ግንባርን ኣርበኞት ግንቦት ሸውዓተን ብሓባር ንምቅላስ ምስምምዖም ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብዘውፅእዎ ናይ ምርድዳእ ሰነድ ኣፍሊጦም።

ናይ ኦሮሞ ዴሞክራቲክ ግንባር ኣቶ ሌንጮ ለታን ኣቦ መንበር ግንባር ኣርበኞች ሸውዓተ ዶ/ብርሃኑ ነጋን ዝፈረሙዎ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ከምዝሕብሮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ፓርቲ ብሓድሽን ሓቀኛ ዴሞክራስያዊ ስርዓትን ንምትካእ ኣብ ስምምዕ ምብፃሕ ወሳኒ እዩ ይብል።

XS
SM
MD
LG