ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ናይ ተዅሲ ልውውጥ ከምዘጋጠመ ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ከተማ ደብረ ብርሃን ትማሊ ብዝተወልዐ ተኵሲ፡ ሞትን መቑሰልትን ከም ዘስዓበ ነበርቲ ከተማ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። እቲ ናይ ተዅሲ ምልውዋጥ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ዕጡቓት ፋኖን ከይኮነ ከም ዘይተርፍ ነበርቲ ደብረ ብርሃን ይገልጹ።

በቲ ግጭት ህይወት ሰባት ከም ዝጠፍአ ዝገልጽ ኮማንድ ፖስት ደብረብርሃንን ከባቢኣን፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ግን ኣይጠቐሰን። እንተኾነ ኣብያተ ንግድን መንግስታዊ ትካላትን ናብ ንቡር ስርሐን ከም ዝተመልሳ ሓቢሩ`ሎ። ንኩነታት ጸጥታ መሰረት ብምግባር፡ ኣብታ ከተማ ንክልተ መዓልታት ናይ ባጃጅ ምንቅስቓስ ተኣጊዱ`ሎ።

ብዝተኣሳሰር ዜና ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ከባቢ ከተማ መርሳ፡ ቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ምክልኻልን ንሰዓታት ዝዘለቐ ግጭት ከም ዝነበረን ጉድኣት ምንባሩን ነበርቲ ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣመሓዳሪ`ታ ወረዳ ሑሴን መሓመድ ኣብቲ ከባቢ ናይ ጸጥታ ሽግር ከም ዝነበረ ድሕሪ ምግላጽ እንተኾነ ዝሞተ ሰብ የለን ኢሉ።

ብኻልእ ዜና ካብ ከተማ ደሴ 65 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ ትርከብ ወርጌሳ ዝተባህለት ከተማ `ውን ናይ ተኹሲ ልውውጥ ከም ዝነበረ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG