ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ከተማ ደብረብርሃን ሕማም ንፍዮ ከምዝተራእየ ክፍሊ ጥዕና ገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደብረ ብርሃን ኣብ ዝርከቡ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ለበዳ ሕማም ንፉዮ ከምዝተልዓለ ክፍሊ ጥዕና'ታ ከተማ ኣፍሊጡ።ክሳብ ሕጂ በቲ ሕማም ዝሞቱ ኣይሃልው እምበር ካብ 80 ክሳብ 140 ዝኾኑ ሰባት በቲ ሕማም ከይተትሓዙ ኣይተርፉን ክብሉ ምንጭታት ድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።

ናይታ ከተማ ምምሕዳር እቲ ለበዳ ስዒቡ ንኣስታት 10,000 ተመዛበልቲ መከላኽሊ ክታበት ተዋሂቦም ኣሎ ክብል ሓቢሩ'ሎ።

ካብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ደብረ ብርሃን ኣብ ዝርከቡ ሽዱሽተ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ኣስታት 30,000 ሰባት ከምዘለው'ውን ምምሕዳር እታ ከተማ ገሊፁ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG