ኣቶ ጸጋይ ሃይለ ካብ ኖርወይ ኣብ`ቲ ክትዖም፡ ሕወሓት ከምቲ ብኣፉ ዝብሎ ሓዲሽ ወለዶ ኣይተከአን፡ ሕጂ`ውን ኣብ ፈጻሚ ስራሕ ኣትዮም ዘለዉ ኩሎም፡ ነባራት ተጋደልቲ ሕወሓት`ዮም፡ እኳ ድኣ ጭራሽ እቶም ዝነበሩ ምሁራት ኣባሪሩዎም ይብሉ።
ኣቶ ደስታ መስፍን ካብ ቶሮንቶ ብወገኖም፡ ሕወሓት እናሰራሓሉ ዝጸንሐ ኣገባብ`ዩ ዝቕጽል ዘሎ፡ ስራሕ በዚሕዎም፡ ስንብት ንዝሓተቱ ዶካትር ምስንባት ከኣ ክምጎስ ዝግብኦ እዩ`ምበር ክኹነን ዝግብኦ ኣይኮነን ኢሎም።
ኣቶ ጸጋይ፡ በዓልቲ ቤት ኣቶ መለስ ዜናዊ ናብ ፈጻሚ ስራሕ ሕወሓት ምእታወን ብቕዓት ዘይኮነስ፡ ናይ ተኣማንነት ትርጉም ኸምዘለዎ ክዛረቡ ኸለዉ፡ ኣቶ ደስታ ግን፡ ወ/ሮ ኣዜብ ብኸባቢአን ተወኪለን፡ ብብቕዓተን`የን ናብ`ቲ ሓላፍነት ዝድይባ ዘለዋ ኢሎም።
ንቐዳማይ ኽፋል ክትዕ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡-