ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝተፈላለየ አርአእያ ኤርትራውያን ፣ ኣብ ልዕሊ ይርአ'ሎ ዝበሃል ዘሎ ዕብየት ኢኮኖሚ ሃገሮም


Mining official hands the first gold bar to Eritrean president Isaias Afewerki
Mining official hands the first gold bar to Eritrean president Isaias Afewerki

ንመጸሔት ዘ-ኤኮኖሚስት ዝጠቐሱ ጸብጻብት፡ ንቐጠርን ጋናን ሓሊፋ ፡ናይ 17% ዕብየት ኣርእያ ይብሉ፡ ናይ ኣመሪካ ማእከል ስለያ (CIA) ድማ፡ ኤርትራ ኣብ 2011፡ ናይ 8.2% ዕብየት ከም ዘርኣየት ይጠቕስ

"ዓለም ኣብ 2011" ብዝብል ዘ ኢኮኖሚስት ዝተባህለ መፅሄት ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘውፅኦ ፀብፃብ ብምጥቃስ ሎሚ ቅነ ኣብ ዝተፈላለየ ዓንዲ እንተርኔት ዝወፀ ሓደ ፅሑፍ ኢኮኖሚ ኤርትራ ካብ ናይ ቃጣርን ጋናን ይዓቢ'ሎ ክብል ይገልፅ።

ናይ ኣመሪካ ማእከል ስለያ (CIA) ድማ፡ ኤርትራ ኣብ 2011፡ ናይ 8.2% ዕብየት ከም ዘርኣየት ይጠቕስ

ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኢኮኖሚ ክዘራረቡ ሬድዮ ድምፂ አሜሪካ ዝዓደሞም ዶ/ር በርሄ ሃብተ ጊዮርጊስ ካብ ዩናይትድ ስቴይትስ ክፍለ ግዝአት ኒውጀርሲ ኣብ ሮዋን ዩኒቨርስቲ ፕሮፈሰር ዕዳጋን ምምሕዳርን ከምኡ'ዉን አቶ ዓብድራሕማን ሰይድ ካብ ሎንደን ዓባይ ብሪጣንያ ተሓላቂ ፖሎቲካውን ሰብአውን መሰላትን ምሁር ዓለም ለኸ ርክባትን አፈታትሓ ጎንፅታትን ነናቶም ርኢቶ ሂቦም'ለው።

ቀዳማይን ካልአይን ክፍሊ ቀሩቡ'ሎ። ንምስምዑ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG