ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በዝሒ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ወሰን ማያት ግብፂ ዝሞቱ ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ


ሰበስልጣንን ገፈፍቲ ዓሳን ግብፂ ኣዚዮም ዝበስበሱ ሬሳታት ካብ ባሕሪ የውፅኡ ኣብዘለውሉ እዋን በዝሒ ዝሞቱ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ወሰን ማያት ግብፂ ዝተገልበጠት ጀልባ ይውስኽ ኣሎ።

ብመሰረት መራኸቢ ብዙሃን ግብፂ መብዛሕቲኦም ደቂ ኣንስትዮን ህፃውንትን ዝኾኑ ልዕሊ 145 ሬሳታት ካብ ማይ ኣውፂኦም ኣለው።

ሩባ ናይልን ባሕሪ ሜድትራኒያን ኣብ ዝራኸብሉ ሮዘታ ኣብዝተብሃለ ቦታ ዝዓለፈ ረቡዕ ካብ ዝተገልበጠት ናይ ዓሳ ጀልባ ልዕሊ 160 ሰባት ድሒኖም ኣለው።እታ ጀልባ ካብ 450 ክሳብ 600 ሰባት ፅዒና ከምዝነበረት ይእመን።

እቶም ተሳፈርቲ ኣፍሪካዊያን፣ሶሪያዊያንን ግብፃዊያንን ምዃኖም ኣብቲ ቦታ ዝተረኽበ ንጋዜጣ ኣል-ማስር ኣል-ዮውም ዝሰርሕ ሪፖርተር ኣቴፍ ባድር ይገልፅ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:00:47 0:00

XS
SM
MD
LG