ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢራንን ስዑድ ዓረብን ብብዝሒ መቕጻዕቲ ሞት ኣብ መሪሕነት ከምዝርከባ ኣምንስቲ ገሊጹ


ኢራንን ስዑድ ዓረብን ብብዝሒ መቕጻዕቲ ሞት ኣብ መሪሕነት ከምዝርከባ ኣምንስቲ ገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:59 0:00

ኢራንን ስዑድ ዓረብን ብብዝሒ መቕጻዕቲ ሞት ኣብ መሪሕነት ከምዝርከባ ኣምንስቲ ገሊጹ

ኣብ 2022 ዝተመዝገቡ ብዝሒ መቕፃዕቲታት ሞት ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ካብ ዝተፈፀሙ ዝበዝሑ ምዃኖም ዓለምለኸ ትካል ተሓላቂ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ገሊፁ። እቲ ትካል ኣብ 20 ሃገራት 883 መቕፃዕቲታት ሞት ምፍፃሞምን እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ክነጻጸር ከሎ ብ53% ምውሳኹ ብምሕባር እዚ ነታ ቁፅራዊ ፀብፃባታ ብሚስጥር እትሕዝ ቻይና ከይሓወሰ ምዃኑ ይግለጽ።

እቲ ኣብ 2022 ዝተራእየ ወሰኽ መቕፃዕቲታት ሞት ብሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዝተመርሐ ከምዝኾነ ዓለምለኸ ትካል ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ይሕብር።

ኣብ ኢራን ኣብ 2021- 314 ዝነበረ ቁፅሪ መቕፃዕቲ ሞት ኣብ 2022 ናብ 576 ክብ ኢሉ’ዩ። ኣብ ስዑድ ዓረብ ድማ እቲ ቁፅሪ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ከሎ ብሰለስተ ዕፅፊ ወሲኹ።

XS
SM
MD
LG