ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ኣብ ከተማ ኮናክሪ ዘጋጠመ ነታጒ ዋጋ መጓዓዝያ ምንሃሩ ነበርቲ ይገልጹ


ኣብ ከተማ ኮናክሪ ዘጋጠመ ነትጕ
ኣብ ከተማ ኮናክሪ ዘጋጠመ ነትጕ

ኣብ ጊኒ ዘጋጠመ ሓያል ነትጕ ዘስዓቦ ባርዕ ሓዊ ሓያለ ሰባት ድሕሪ ምቅታሉን ካልኦት ሓያለ ድሕሪ ምቁሳሉን ሰበ-ስልጣን'ታ ሃገር ንመደበራት መዐደሊ ነዳዲ ክዕጸው ብምውሳኖም ነበርቲ ከተማ ኮናክሪ ትማሊ ሰሉስ ንጉሆ ዋጋ መጉዓዝያ ምንሃሩ ይገልጹ። እዚ ፍጻመ እዚ ኣብታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንዘሎ ቀረባት ነዳዲ ከተዓናቅፍ ከም ዝኽእል እዉን ይግለጽ'ሎ።

እቲ ሰኑይ ኣብ ዋና ከተማ እታ ሃገር ኮናክሪ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ መክዘን ነዳዲ ዘጋጠመ ነትጕን ዝሰዓበ ባርዕ ሓዊ ብዉሑዱ 18 ሰባት ምሟቶምን ልዕሊ 200 ቆሲሎም ካልኦት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለው። እቲ ከባቢ ድኻታት ዝነብርሉ ምኻኑ እውን ተገሊጹ'ሎ።

ትማሊ ሰሉስ ተወሰኽቲ ኣርባዕተ ሰባት ክሞቱ ከለው ካብቶም ዝቆሰሉ 212 ሰባት እቶም 85 ገና ኣብ ሕክምና እዮም ዘለዉ። በቲ ባርዕ ሓዊ 738 ስድራ-ቤታት ተተንኪፈን'ለዋ።

እቲ ባርዕ ሓዊ ድሕሪ 24 ሰዓታት ዝተገትኣ ክኸውን ከሎ ዋጋ መጉዓዝያ ካብ ዝነበሮ ሓሙሽተ ዶላር ናብ 13 ዶላር ምንሃሩ ነበርቲ ይገልጹ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG