ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጥቕሉላት ሙት ባሕሪ ንፈለማ ጊዜ ናብ ምርኢት ቀሪቦም


ቁራጽ 'ጥቕሉላት ሙት ባሕሪ'
ቁራጽ 'ጥቕሉላት ሙት ባሕሪ'

ብርክት ዝበሉ ጥቕሉላት ሙት ባሕሪ (Dead Sea Scrolls) ንፈለማ ጊዜ ናብ ምርኢት ቀሪቦም።

እቶም ኣብ ቤተ መዘክር ዴንቨር ብህዝቢ ንክራኣዩ ቀሪቦም ዘለው ክልተ ክፋላት’ቲ ጥቕሉላት፣ ህይወት ኣብ እዋነ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጉልሁ’ዮም። ካልእ ክፋል’ቲ ጥቕሉላት ድማ ኣብ ቤተ መዘክር የሩሳሌም ኣብ ምርኢት ይርከብ።

እዞም ጥቕሉላት ሙት ባሕሪ፣ ካብ ሞንጎ’ቶም ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይሁዳዊያን ኮይኖም ኣብ ኣርባዓታትን ሓምሳታትን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝተረኸቡ’ዮም። እቶም ብሓደ በደው ኣብ ባዓቲ ዝተረኸቡ ጥቕሉላት፣ እምነት ሓደ ክፋል ኣይሁዳዊያን ዝጠቕሱ’ውን እዮም።

ኣብ’ቲ ጥቕሉላት ዘሎ ጽሑፍ ክፋል ንታሪኽ መርከብ ኖህ’ዩ ዘዘንትወልና። ብመሰረት መጽሓፈ ዘፍጥረት ‘ፈጣሪ መርከብ ንክሰርሕ ንኖህ ኣዘዞ። ካብ ሕድ ሕድ ዓይነት እንስሳታት ጽምዲ ጽምዲ ገይሩ ናብ’ታ መርከብ ንከእቱ ተነገሮ። ድሕሪኡ አምላክ ንመላእ ምድሪ ብማይ ምስ ደፈና፣ በታ መርከብ ኣቢሉ ንቤተ ሰብ ኖህን ናብ’ታ መርከብ ንዝኣተው እንስሳታትን ኣድሐኖም’ ይብል።

እዞም ተኣፋፊ ጽሑፋት ጳጲረስ ኣብ ብመስትያት ዝተሸፈነ ስፍራ’ዮም ዝቕመጡ። ጸሓያዊ ወይ ኤለክትሪካዊ ብርሃን ኣብ ልዕሊኦም ክዓርፍ ኣይፍቀድን። በጻሕቲ ነቲ ጥቕሉላት ክሪኡ እንተመሪጾም ኣብ ልዕሊ’ቲ መስትያታዊ ሳንዱቕ ዘሎ መብርሂን መጥፍእን ይጥውቑዎ፣ ሰላሳ ሰኮንዳት ጥራሕ ዝዘልቕ ብርሃን ይውላዕ’ሞ ነቲ ጥንታዊ ቅርሲ ንሓጺር ጊዜ ንክሪኡ የኽእሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:57 0:00

XS
SM
MD
LG