ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዳርፉር ብዝተላዕለ ግጭት ሰለስተ ሰባት ሞይቶም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ዳርፉር ሱዳን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ብዝተፈጠረ ደማዊ ግጭት ብውሑዱ 14 ሰባት ምሟቶም ክልተ ተሓለቕቲ ማሕበረሰባት /ኣክቲቪስታት/ ትማሊ ሰሉስ ምግላፆም ፀብፃብ ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ከባቢያዊ ኣክቲቪስት ኣዳም ሓሩን ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ዝሓለፈ ሰንበት ብሞተር ብሽክሌታ ዝመፁ ዕጡቓት ኣብ ከተማ ፉር ባራንጋ ንሓደ ነጋዳይ ቶኪሶም ድሕሪ ምቕታሎም ግጭት ከምዝተለዓለ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ኣብ ዳርፉር ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝሕግዝ ከባቢያዊ ትካል ኣዳም ረጋል እቲ ቕትለት ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቓዕትታት ኣስዒቡ ኣብ መንጎ ጉጅለታት ነገድ ዓረብን ኣፍሪቃን ተኸታታሊ ግጭት ተፈጢሩ ይብል።

ሓሩን ወሲኹ እቲ ህውከት ክሳብ ትማሊ ሰሉስ ብምቕፃሉ ብዝሒ ዝሞቱ ክውስኽ ይኽእል እዩ ይብል።

ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ኣመሓዳሪ ምዕራብ ዳርፉር ንኽልተ ሰሙን ዝፀንሕ ህፁፅ ግዜን ኣብ እቶ እቶን ኣዊጁ ኣሎ።

ተንተንቲ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ነገድ ህውከት ከምዝወሰኸ ይገልፁ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ምዕራብ ዳርፉር እንተወሓደ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ድማ ኣብ ምምሕዳራዊ ከባቢ ብሉ ናይል ብዝተፈጠረ ግጭት ልዕሊ 170 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

XS
SM
MD
LG