ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዓለም ዝዓበየ መጻረይ ማይ ዋሽንግተን ዲሲ


ካብ ፈቖዶ መፍሰሲ ረሳሕ ማይ ዝውሕዝ ንከባቢ ከምዘይጎድእ ኮይኑ ወይ ምስ ከባቢ/ecosystem/ ክጥዓዓም ንምጽራይ ኣብ ጣቢያ መፃረዪ ረሳሕ ማይ ኣብ ከይዲ ኣገደስቲ ዝኾኑ ብርክታት ክሓልፍ ኣለዎ።ምፅራይ እቲ ብዓይኒ ዝርአ ርስሓት ጥራሕ ዘይኮነስ ምውጋድ ንማይ ክምርዙ ዝኽእሉ ብዓይኒ ዘይርኣዩ በከልቲ ጉሓፋት ዘጠቓልል እዩ።

ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣዚዩ ዓብዪን ምዕቡልን ጣቢያ መፃረዪ ረሳሕ ኣሎ።ኣብዚ ናይ ዋሽንግተን ዲሲ ቤት ፅሕፈት ኣገልግሎት ማይ መሃንዲስ ምፅራይ ማይ ክሪስ ፐዮት እቲ መፃረዪ ዓብዪ ምዃኑ ይገልፅ።

“ካብ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ዝመፅእ ፈሳሲ ኢና ነፃሪ ዘለና።”

ኣገልግሎት ማይ ዋሽንግተን ዲሲ ነዞም ስነ ህይወታዊያን ንጥረ ነገራት ካብቲ ረሳሕ ማይ ንምእላይ ብዙሓት ደረጃታት ይጥቀም።እዚ ኣብ ኣስታት 61 ሄክታር መሬት ዝተሰርገ ገዚፍን ምዕቡልን መፃረዩ ትካል ኣብ ደቡብ ምዕራብ ክፋል ዋሽንግተን ዲሲ ይርከብ።እቲ መስርሕ ነቲ ጓሓፍ ካብ ማይ ብምፍላይ ይጅምር።

“ኣዚዩ ረሳሕ እዩ።ኣብዚ ክንጥቀመሉ ዘይንኽእል ሓደ ነገር እንተሊዩ እዚ እዩ።”

እቲ ጓሓፍ ናብ ዓብዩ ጉድጓድ ምስኣተወ ቀፂሉ ዝኸበደ ስራሕ ዝፍፅሙ መወዳእታ ዘይብሎም ነኣሽቱ ሓሳኹ እዮም።

“እዞም ኣዚዮም ደቀቕቲ ኣእላፍ ነፍሳት ዓሲሎም ኣብ ማይ ተለኽለኽ ዝብሉ ዘለው ነቲ ፈሳሲ ካብ ኦርጋኒክ ናይትሮጂን ናብ ናይትሮጂን ጋዝ ዝቕይሩዎ ዘለው እዮም።”

ቀፂሉ መስርሕ ካልኣይ ብርኪ ይስዕብ።ካብቲ 9.14 ሜትሮ ዝዕምቆቱ መዋህለሊ ቦጥ ዓፍራ ክወፅእ ይገብሩ።

እዞም ካርቦን ጋዝ ዝመልኡ ነፍሳት ዝለዓለ ፀቕጢ ወይ ድፍኢት፣ዝለዓለ ሙቐትን ተርማል ሃይድሮሲስ ተባሂሉ ዝፅዋዕ መጥሓን ይልኣኽ፤ናብ ሓይሊ ንምቕያር ማለት እዩ።

“እዞም ጠሓንቲ ነታ ከተማ ከም ንመግቢ ዝጥሕን ከብዲ ከይኖም የግልግሉዋ።ብዙሕ ባክተርያ /ነኣሽቱ ፍጥረታት/ ዝሓዘ እዩ።እዞም ነኣሽቱ ፍጥረታት እዚኦም ኣብ ከብድና ዝበላዕናዮ መግቢ ዝጥሕኑ እዮም።”

ናይ ዲሲ ማይ ነቲ ትካል ዝውዕል ሲሶ ሓይሊ መብራህቲ 25 ሜጋዋት ወይ 25 ሽሕ ኪሎ ዋት ሓይሊ የመንጭው።እቲ ደረቕ ጓሓፍ እውን ንድኹዒ ይጥቀምሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ዓለም ዝዓበየ መጻረይ ማይ ዋሽንግተን ዲሲ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:10 0:00

XS
SM
MD
LG