ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከንቲባ ዋሽንግተን ዲስ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብምምርሖም ተኣሲሮም


ከንቲባ ግረይን ኣባላት ቤት ምኽርን ካብቶም ዝተኣሰሩ 41 ሰባት ገሊኦም ከምዝኾኑን ዘይሕጋዊ ኣኼባ ብምክያድ ተኸሲሶም ከምዘለውን ፖሊስ ካፒቶል ገሊፁ።

ከንቲባ ዋሽንግተን ዲሲ ኣንፃር ፌደራል በጀት ዩናይትድ ስቴትስ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብምምርሖም ትማሊ ሰኒ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣትዮም።

ከንቲባ ቪንሰንት ግረይን ብርክት ዝበሉ ኣባላት ቤትምኽሪ እታ ከተማን ትማሊ ሰኒ ናብ ናይ ሰኔት ህንፃ ዘእቲ ጎደና ድሕሪ ብምዕፃዎም እዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው።

ከንቲባ ግረይን ኣባላት ቤት ምኽርን ካብቶም ዝተኣሰሩ 41 ሰባት ገሊኦም ከምዝኾኑን ዘይሕጋዊ ኣኼባ ብምክያድ ተኸሲሶም ከምዘለውን ፖሊስ ካፒቶል ገሊፁ።

እቲ ብፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ቀንዲ መራሒ ሰኔት ሃሪ ሪድን ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ዩናይትድ ስቴትስ ጆን ቦይነርን ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተበፅሐ ስምምዕ ዲሲ ዝተሓተ ኣታዊ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ጥንሲ ንኽውርዳ ንምሕጋዝ ናይ ባዕላ ገንዘብ ንኸይትጥቀም ዝኽልክል ብሪፓብሊካዊያን ዝድገፍ እገዳ ገይሩ’ሎ።

ብኻሊእ መዳይ መብዛሕቲኦም ኣሜሪካዊያን ዋላ’ውን መሻርኽቲ ዩናይትድ ስቴትስ ዘይኮኑ መንግስታት ስልጣን ናብ ምሓዝ ገፁ ዘምርሕ እንተኾነ’ውን ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ዓመፅ ከምዝድግፍዎ ሓዱሽ ዝተኣከበ ኣሃዛዊ መዐቀኒ ሪኢቶ ህዝቢ ሓቢሩ’ሎ።

እቲ ኣሃዛዊ መዐቀኒ ሪኢቶ ህዝቢ ኣብ ዩንቨርስቲ ሜሪላንድ ዝርከብ ፕሮግራም ኢንተርናሽናል ፖሊሲ ኣቲቱድስ ብዝተባህለ ትካል እዩ ኣብመጀመሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ተኣኪቡ።ንቶም ተሓትተቲ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝርአ ዘሎ ለውጢ ብኸመይ ከምዝርእይዎ ተሓቲቶም ነይሮም።

ሰለስት ብሓደ ብዝኾነ ድምፂ እቶም ዝተኻየዱን ዝካየዱ ዘለውን ህዝባዊ ዓመፃት ፖለቲካዊ ስልጣን ንምሓዝ ዝደልዩ እስላማዊ ጉጅለታት ዘበገስዎ እዩ ካብዝብሉ ነፃነትን ዴሞክራስን ዝደልዩ ተራ ህዝብታት ዘንቀልዎ እዩ ብምባል እቶም ዝበዝሑ መሊሶም ኣለው።

እቲ መፅናዕቲ ካብዝተኻየደሎም ሰባት እቶም 65 ሚእታዊ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝርከባ ሃገራት ዲሞክራሲያዊያን እንተኾይነን ንዩናይትድ ስቴትስ ረብሓ ኣለዎ ይብሉ።

ነቲ ኣሃዛዊ ሪኢቶ ህዝቢ ዝመርሑ ፖለቲካዊ ሊቅ ሽብለይ ተልሃሚ እቶም ናብ ስልጣን ዝድይቡ መንግስታት ንናይ ዩናይትድ ስቴትስ ናይ ወፃኢ ፖሊስታት ዝቃወሙ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም እንተተብሃሉ እውን 57 ሚእታዊ ወሃብቲ መልሲ ንምንቅስቓስ ዲሞክራሲ ይድግፉ ይብሉ።

ተልሃሚ ኣሜሪካዊያን ኣብ ኣዕራብ ዘለዎም ኣመለኻኽታ ብምኽንያት እቶም ዓመፃት ኣወንታዊ እናኾነ ከምዝመፀ ይዛረቡ።

ዳይረክተር እቲ ትካል ስቲቨን ኩል’’ እቲ ዝተኣከበ ኢሪቶ ህዝቢ ብመሰረቱ ዝብሎ ዘሎ፣ዲሞክራሲ ንኽመፅእ ድፊኢት ኣይትግበሩ።ተሪርኩም ኣብ ጎኒ ሰልፈኛታት ጠጠው ኣይትበሉ።ነገራት ናብ ኣንፈት ዴሞክራሲ የምርሑ እንተሃሊዮም ድማ ንደግፎም እዮም ዝብሉ ዘለው።’’ይብሉ።

XS
SM
MD
LG