ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳዊት ገረዝግሄር ኣብ ውግእ ጸረ ኮሮና ቫይረስ ዝውዕል 25 ሚልዮን ቅርሺ ለጊሱ


ዳዊት ገ/ሄር
ዳዊት ገ/ሄር

ኣቶ ዳዊት ገረዚግሄር ኣብ ውግእ ጸረ ኮሮና ቫይረስ (ኮቪድ 19) ናይ ገዛእ ርእሰይ ኣበርክቶ ክህልወኒ ይግባእ ካብ ዝብል ተበግሶ 25 ሚልዮን ቅርሺ ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከምዝለገሰ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ሎሚ ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 'ምምሕዳራዊ ኣበሩ በዚሑ እናበለ' ብበሊሕ ይነቅፍ ዝነበረ ኣቶ ዳዊት አብ'ዚ 'ቁርጺ እዋን' ኢሉ ዝጠቀሶ ህሞት ውገእ ኣብ ልዕሊ ኮቪድ 19 ምትሕብባር ኣገዳሲ ከምዝኾነ ይዛረብ።

ብዘይካ'ዚ ኣገድስቲ መሳርሕታት መመርመሪ ኮሮና ቫይረስ ካብ ቻይናን ኣሜሪካን ናብ ትግራይ ንምእታው ይሰርሕ ከምዘሎ ካብ ደሴት ጂቡቲ ኮይኑ ኣብ ዝሃበና ቃለ ምልልስ ጠቂሱ።

ስለምንታይ ናብ'ታ ደሴት ከምዝኣተወ ሓቲትናዮ 'ሪዞርት' ይሃንጽ ኣለኹ ኢሉና።

please wait

No media source currently available

0:00 0:11:38 0:00




XS
SM
MD
LG