ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሪኢቶ ብዓል ሃፍቲ ዳዊት ገብረእግዝኣብሄር ኣብ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን


ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ሃውህው ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ከብቅዕ ተስፋ ዝተግብረሉ ፃውዒት መንግስቲ ኢትዮጵያን ግብረ መልሲ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ተሰምዓኒ ታሕጓስ ብቐሊሉ ኣይግለፅን ይብሉ ሃፍታም ነጋዳይ ኣቶ ዳዊት ገብረእግዛብሄር።

ርክብ ክልቲኡ ህዝብታት ናብ ንቡር ንምምላስ ይደለን ይንቀሳቐስን ከምዝነበርኩ ሰብ መልክዕ ክሕዝ ምርኣይ ሕጉስ እየ ይብሉ።’’ጥራሕ መንገዲ ሰማይ ይከፈተልና እምበር ብነፈርተይ ኣቢለ ናይ መጀመሪያ ብነፃ ክወስደኩም እየ ኢለ ቃል ዝኣተኹሎም ሰባት ኣለው’’ ክብሉ ዝተዛረቡ ኣቶ ዳዊት ብናተይ እምነትን ሕልምን ኣብ ክልቲኡ ህዝቢ ካብቲ ናይ ቀደም ዝበለፀ ፍቕሪ ሃሊዩ ክርኢ እዩ ትምኒተይ ኢሎም።’’ሓደ ዓይነት ህዝቢ እውን ስለዝኾነ ፖለቲከኛታት ብዘምፅእዎ ኣፈላላይ ክንፈላለ የብልናን’’ኢሎም ብምውሳኽ።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG