ሚኒስተር ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ጣልቃ ኣትዮም’ ኢሉ ንዝኸሰሶም ሸውዓተ ሰበ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ግዝኣቱ ንክወጹ ከምዝኣዘዘ ትማሊ ገሊጽና ነይርና።
ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ዴቪድ ሽን ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ስጉምቲ፣ ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ’ ክብሉ ገሊጾም።
‘ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ’ዚ ሰዓት’ዚ ጭብጢ ኣይሃበን ዘሎ’ ይብሉ።
‘ከምዝመስለኒ ንኢትዮጵያ ከቢድ ሳዕቤን ከምጸኣላ እዩ። ኣብ ዝተናወሐ መስርሕ ንኢትዮጵያ ዝሃስይ ክኾን እዩ’ ኢሎም።
ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንተንይ ብልንክን ‘ናብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ቀረባት ንከይባጻሕ ንዝተዓናቅፉ ወገናት፣ ግብረ መልሲ ንምሃብ፣ ፕረዚደንት ባይደን ዘሕለፍዎ ትእዛዝን ካልኦት መሳርሕን ካብ ምጥቃም ዓዲ ኣይንውዕልን’ ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ።