ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

”ሰላማዊ ስግግር ስልጣን ኣብ ኢትዮዽያ ትፅቢተይ‘ዩ” ይብሉ ኣምባሳደር ዴቪድ ሽን


ድሕሪ ሞት ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ኣብ ኢትዮዽያ ህዱእን ሰላማዊን ስግግር ከምዝፅበዩ ኣብ ሓደ እዋን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮዽያ ዝነበሩ ሚስተር ዴቪድ ሽን ገሊፆም።

እዚ መስርሕ ስግግር‘ዚ ሰላማዊን ህዱእን ስግግር ክኸውን‘ዩ፣እታ ሃገር ክትወድቅ ወይካኣ ኣብ ጎደናታት ተቃውሞ ዝጋሃደሉ ኩነታት ኣይክትርእን፣ኣብ ክንድኡ ህዱእ ስግግር‘ዩ ክኸውን ይብሉ ዴቪድ ሽን።

ዴቪድ ሽን ወሲኾም፣ብዛዕባ ውርሻ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ኣዎንታዊን ኣሉታዊን ኣበርክቶ ምጥቃስ ከምዝካኣል፣ከምኣዎንታ ክላዓል ዝኽእል፣ኣብ ኢትዮዽያ ዝተመዝገበ ቁጠባዊ ምዕባለ፣ህንፀት መሓውራዊ ቅርፅታት፣ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ሸሞንተ ትሻዓተ ዓመታት ዝተመዝገበ ዝድነቅ ሃገራዊ ዕብየት፣ ምናልባሽ‘ውን ኣብ ገፀራዊ ኢትዮዽያ ንምዕቃኑ ኣፀጋሚ‘ኳ እንተኾነ፣ ዝተመዝገበ ምምሕያሽ ፅርየት መነባብሮ ህዝቢ፣ብዘይጥርጥር ግና፣ካብ‘ቲ ቅድሚ ፳፩ ዓመት ዝነበረ ዝበለፀ ኩነታት መነባብሮ ኣሎ‘ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG