ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፋብሪካ ዳሸን ቢራ ንህንፀት ስታድየም ትግራይ 42 ሚልየን ቅርሺ ወፍዩ


Alem Gbretnsie
Alem Gbretnsie

ኣካያዲ ስራሕ መሸጣ ፋብሪካ ዳሸን ቢራ ጨንፈር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣለም ገብረትንሳኤ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ዳሽን ቢራ ንህንፀት ስታድየም ትግራይ ዛጊድ 42 ሚልየን ቅርሺ ወፍዩ ኣሎ፡፡

እቲ ፋብሪካ ብተወሳኺ ንመጠናኸሪ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ከነማ መቐለ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓማውቲ ሓደ ሚልየን ቅርሺ፣ ኣብቶም ዝሓለፉ 8 ዓማውቲ ንዕብየት ብሽክለታ ትግራይ ብተመሳሳሊ ሓደ ሚልየን ቅርሺ ከምዝሃበ ገሊፆም፡፡

ፋብሪካ ዳሸን ቢራ ንሓገዝ ማሕበር ጉዱኣት ኵናት ትግራይ ፍርቂ ሚልየን ቅርሺ፣ኣብ ሳምረ ንዝርከብ በሪ መይዳ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ኣንስትዮ 300 ሽሕ ቅርሺ፣ ከምኡ እውን ንመፈፀሚ ሽልማት ማሕበር ከየንቲ ትግራይ 200 ሽሕ ቅርሺ ብድማር 45 ሚልየን ቅርሺ ንልምዓት ትግራይ ከምዘበርከተ ኣይተ ኣለም ዝሃብዎ መግለፂ የረድእ፡፡

ፋብሪካ ዳሸን ቢራ ፅፈቱ ዝሓለወ ቢራ ካብ ምቕራብ ብተወሳኺ ኣብ ምጥንኻር ልምዓት ሃገር ምስታፍ ዕላምኡ ምዃኑ ዝሓበሩ ኣይተ ኣለም ብቐንዱ ንስፖርት፣ንድሕነት ተፈጥሮን ሓለዋ ከባቢን ንጥዕናን ጠመተ ሂቡ ሓገዙ ክቕፅል እዩ ኢሎም፡፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:01:32 0:00

XS
SM
MD
LG