ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዳርፉር ሱዳን ዝተወልዐ ግጭት 24 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ዳርፉር ሱዳን፡ ኣብ መንጎ ናይ ዓረብ መበቆል ዘለዎም ቀቢላታትን ካልኦትን ብዝተፈጥረ ጎንጺ 24 ሰባት ሞይቶም፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕ ዜጋታት ድማ ምምዝባሎም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ። ኣብቲ ቀዳም ዝጀመረ ጎንጺ፡ ፈለማ ኣብ ፎሮ ባራንጋ ዝተባህለት ከተማ ዝተበገሰ ኰይኑ፡ ሰብ-መዚ እቲ ከባቢ ድማ ሰዓታት እቶ-እቶ ብምእዋጅ፡ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ የሕሊፎም ኣለዉ።

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ነቲ ጎንጺ ንምድቃስ ኣብቲ ከባቢ ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ (ሒመቲ) ዝምራሕ ፍሉይ ሓይሊ ሚሊሻ ሰራዊቱ ከንቀሳቕስ ብምጅማሩ ምስ መንግስታዊ ሰራዊት ምትፍናን ፈጢሩ ኣሎ። ጀነራል ሒመቲ ሰራዊቱ ከየንቀሳቕስ ብመንግስቲ መምርሒ ተዋሂቡዎ’ዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ብጀነራል ሒመቲ ዝምርሑ ዕጡቓት ፍሉይ ሓይሊ ሚሊሻን ምትፍናን ተፈጢሩ፡ ናብ ዝኸፍአ ወጥሪ ከይዓርግ ስግኣት ኣሎ።

XS
SM
MD
LG