ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ደንማርክ ኣብ ከባቢ ኤምባሲ እስራኤል ዘጋጠሙ ፍንጀራታት ይምርምር


 ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ደኒማርክ ኣብ ከባቢ ኤምባሲ እስራኤል ድሕሪ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ
ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ደኒማርክ ኣብ ከባቢ ኤምባሲ እስራኤል ድሕሪ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ

ፖሊስ ደነማርክን ሽወደንን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ከባቢ ኤምባሲ እስራኤል ንዘጋጠሙ ክልተ ፍንጀራታትን ተኵሲን ይምርምሩ ከምዘለው ሓቢሮም።

ፖሊስ ደነማርክ ኣብ ዋና ከተማ’ታ ሃገር ንዘጋጠሙ ክልተ ፍንጀራታት ብዘተሓሓዝ ሰለስተ ሽወደናዊያን ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ሓቢሩ’ሎ።

ፖሊስ ሽወደን ብወገኑ ትማሊ ሰሉስ ንኤምባሲ እስራኤል ዒላማ ዝገብረ መጥቃዕቲ ተኵሲ ምግጣሙን ሰለስተ ሰባት ኣብ ቐይዲ ምእታው’ውን ሓቢሩ’ሎ።

ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ደንማርክ ዴቪድ ኣቮክ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ መልእኽቲ እቲ ፍጻመ ከምዘሰንበዶም ሓቢሩ’ሎ።

መሓውራት ዜና'ታ ሃገር ሰፊሕ ቦታ'ቲ ከባቢ ንመርመራ ፖሊስ ተሓጺሩ ምህላው ሓቢረን ኣለዋ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ግጭት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ሽወደን ንእስራኤል ዘገድሱ አካላትን መጥቃዕቲ ክበጽሖም ምጽንሑ ኤ.ኤፍ.ፒ ዘውጽኦ ዜና ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG