ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ናይ 7ይ ደረጃ ሒዙ ንመድረኽ 12 ዙር ፈረንሳ ዛዚምዎ


ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
ዳንኤል ተኽለሃይማኖት

ኣብዚ ናይ ሎሚ መበል 12 መድረኽ ዙር ፈረንሳ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ብሉጽ ጸወታ ብምርኣይ ናይ 7ይ ደረጃ ሒዙ ነቲ ውድ ድር ፈጺምዎ ኣሎ። ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ገብረማርያም ኣብ መበል 51 ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ መበል 166 ኮይኖም መዛዘሚ መስመር ረጊጾም።

ብሪጣን ያዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ስካይ ክሪስ ፍሩም ዝርከብዎም ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ቱር ዲ ፍራንስ ምስ ናይቲ ውድ ድር ሞተር ሳይክል ሓደጋ ግጭት ኣጋጢምዎም።

ፍሩም በቲ ሓደጋ: ዝወዳደረላ ብሽክለታ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ብምዃና ንዝተወሰነ ጉዕዞ እምባ ሞንት ቨንቱክስ ብጉያ እግሪ ክሓኹሮዩ ተገዲዱ። ንሱ በቲ ሓደጋ ሓደ ደቒቕ ኣብ ግዜ ብምኽሳሩ ንናይ መድረኽ ዓወት ኣይቀንዖን።

ኣብ ሓፈሻዊ ነጥቢ ግን መሪሕነቱ ብምዕቃቡ ብጫ ማልያ ገና ካብ ዝባኑ ኣየረከባን። ደያኑ ነቲ ዝተፈጥረ ሓደጋ ሞተር ሳይክል ኣብ ግምት ብምእታው ምስኡ ምስ ዝነበሩን ግን ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ተቐዳደምቲ ዘመዝገብዎ ግዜ ክህብዎ ከምዝኽእሉ ተገሚቱሎ።

ብሓፈሻ ኣብ ናይ ሎሚ ናይ መበል 12 ናይ መድረኽ ቅድ ድም ቱር ዲ ፍራንስ በልጅማውያን ተቐዳደምቲ ደ ግነት ቶማስን ጳውሎስ ሰርገን ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ሒዞም ነቲ ውድ ድር ፈጺሞሞ። ስጳኛዊ ዳንኤል ናቫሮ ድማ ናይ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ።

ኣብ ሓፈሻዊ ውህሉል ነጥቢ ድማ ብሪጣን ያውያን ክሪስ ፍሩም ኣባል ክለብ ስካይን ኣዳም ያተስን ኣባል ክለብ ኦሪካ ባይክ ኤክስቸንጅ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ዝርከቡ ዘለው ክኾኑ ከለው ኣባል ክለብ ሞቪ ስታር ኲንታና ናይሮ ድማ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ይርከብ።

ቪድዮ መድረኽ 12 ዙር ፈረንሳ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:29 0:00

XS
SM
MD
LG