ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ኣመሪካ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ቀጺሎም


ኣዛዚ ፖሊስ ዳላስ ዴቪድ ብራውን
ኣዛዚ ፖሊስ ዳላስ ዴቪድ ብራውን

ዝሓለፈ ሰሙን ፖሊስ ኣብ ክፍለ ግዝኣታት ሊዊዚያናን ሚኒሶታን ንኽልተ ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን ምስ ቐተሉን ኣብ ዳላስ ቴክሳስ ድማ ፀረ ናይ ፖሊስ ጭካነ ሰለማዊ ሰልፊ የካየዱ ኣብዝነበርሉ እዋን ሓደ ሰብ ንሓሙሽተ ፖሊሳት ምስተቐተለን ዩናይትድ ስቴትስ ሓድሽ ናይ ስራሕ ሰሙን ጀሚራ’ላ።

ንቶም ፖሊሳት ዝቐተለ ሚካህ ጆንሰን ኣብ ሓደ እዋን ወታደር ዝነበረ እዩ።ንሱ ኣብ ዳላስ ካብኡ ዝዓበየ ዕንወት ንምብፃሕ ወጢኑ ከምዝነበረ ፖሊስ ገሊፁ’ሎ።

People take part in a prayer vigil at Thanksgiving Square, July 8, 2016, in Dallas.
People take part in a prayer vigil at Thanksgiving Square, July 8, 2016, in Dallas.

ኣዛዚ ፖሊስ ዳላስ ዴቪድ ብራውን ንሲ.ኤን.ኤን. ኣብ ዝሃብዎ ቃል ጆንሰን ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ምስ ፖሊሳት ክደራደር ከሎ ብላግፅን ሕጫጨን ይስሕቕ፣ይደርፍ፣ክንደይ ከምዝቐተለ እውን ይሓትትን ከምዝነብረን ሓቢሮም።

ፖሊስ ዳላስ ጆንሰን ተሓቢኡ ይትኩሰሉ ናብ ዝነበረ ሕንፃ ቦምብ ዝተዓጠቐ ሮቦት ብምስዳድ እዮም ቐቲሎምዎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት እታ ሃገር ተቓውሞ ሰልፍታት ከምዝቐፀሉን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ኣብ መንጎ ሰልፈኛታትን ፖሊስን ረፅሚ ከምዘጋጠመን ተፈሊጡ’ሎ።ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝተኣስሩ እውን ተፈሊጡ’ሎ።

ናይ ዩናይትድ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣሜሪካዊያን ነንሕድሕዶም ክከባበሩ ፀዊዖም ኣለው።ኦባማ ፅባሕ ሰሉስ ናብ ዳላስ ክጉዓዙ እዮም።

XS
SM
MD
LG