ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዕሊ 30 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኣትዮም ኢሉ ሕቡራት መንግስታት


ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ይካየድ ዘሎ ወታደራዊ ግጭት ልዕሊ 30,000 ኢትዮጵያዊያን ካብ ትግራይ ናብ ሱዳን ሃዲሞም ኣለው ብመሰረት ወሃቢ ቃል ናይ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ባባር ባሎች።

ደቂ ኣንስትዮን ህፃውንትን ዝርከቡዎም በብማዕልቱ ልዕሊ 4,000 ስደተኛታት ህወቶም ንምድሓን ናብ ሱዳን ይውሕዝ ከምዘሎብምሕባር ምሉእ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢሙ ስለዘሎግጭት ጠጠው ክብል፣ስቪላት ሓለዋ ክግበረሎምን ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ንስደተኛታት ክሕግዝን ፀዊዖም ኣለው።

ኩነታት ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ክገለፁ ዝተሓተቱ ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ባባር ባሎች መብዛሕቲኦም ካብ ትግራይ ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብቶም ዝሓለፉ ሸውዓት ማዕልታት ምብራቕ ሱዳን ኣትዮም ኣለውኢሎም።‘’ማዕልታዊዝኣቲ ዘሎ ስደተኛ ኣዚዩ ዝለዓለ እዩ።

ኣብ ማዕልቲ ብማእኸላይ ኣስታት 4,000 ስደተኛታት ይኣትው ኣለው’’ ክብሉ ገሊፆም።

ሰላም ናብቲ ንቡር ክምለስ ኩሎም ወገናት ኩሉ ተፃብኦ ጠጠው ከብሉዎ ኣለዎ፤ መሰላት ስቪላትሰባት ክኸበርንማሕበረሰብ ዓለም ድማ በብዕለቱ ኣሽሓት ስደተኛታት ትቕበል ንዘላ ሱዳን ክሕግን ኣለዎ ክብሉ መልእክቶም ኣሕሊፎም ወሃቢ ቃል ባባር ባሎች።

ምሉእ ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG