ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ኤርትራ ንብረት ዓማዊል ዝልእኽ ዳህላክ ካርጎ ኣብ U.S ወከልቲ ኣብያተ ጽሕፈት ከምዘስፍሐ ኣፍሊጡ


Dahlak Cargo
Dahlak Cargo

ኣብ ናይ ሰሉስ 14 መስከረም 2010 መደብ ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ ዝቐረቡ 3ተ ወከልቲ ዳህላክ ካርጎ ማለት፡ ብርሃነ መሓሪ ካብ ዋሺንግቶን ዲሲ፡ ብስራት ግርማይ ካብ ሳንዲያጎ ካሊፎርኒያ፡ ዳዊት ፈኑኤል ካብ ዳላስ ተክሳስ፡ ብሓባር ንጋዘጠኛ ድምጺ ኣመሪካ ተወልደ ወልደገብሬል ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-መጠይቕ፡ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ጥራይ ዝነበረ ኣገልግሎት ምስዳድ ኣቑሑት ናብ ኤርትራ፡ ናብ ካልኦት ግዝኣታት U.S`ውን ንኽባጻሕ ሕቶ ብዙሓት ኤርትራውያን ኾይኑ ኸምዝጸንሐ ጠቒሶም።

ዳህላክ ካርጎ ስርሑ ካብ ዝጅምር ኣብ ከባቢ ዋሺንግቶን ዲሲ ካብ ዝርከብ ወደብ ባልቲሞር ጥራይ 8ተ ጽዕነት መራኽብ ናብ ኤርትራ ከም ዝለኣኸ ዝገለጸ ዋና ኣካያዲ ስራሕ`ቲ ማሕበር ኣቶ ብርሃነ መሓሪ፡ ኣብ ኩለን ዓበይቲ ኸተማታት ዩ ኤስ ተቐበልቲ ኣብያተ ጽሕፈት ንምኽፋት መደብ ከም ዘሎ ጠቒሱ።

ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ኩሉ ንብረት ምሉእ ናይ ኢንሹራንስ ውሕስነት ከም ዘለዎ`ውን ኣፍሊጡ።

ንምሉእ ትሕዝቶ`ቲ ቃለመጠይቕ ነቲ ምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG