ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሁማን ራይት ዋችን መሻርኽቲ ምዕባለ ኢትዮጵያን ዝሃብዎ ተጋራጫዊ መግለፂ


ETHIOPIA
ETHIOPIA

ንባንኪ ዓለም፣ትካል ገንዘብ ዓለምን USAIDን ሓዊስካ ፳፬ ኣካላት ዘጠቃለለ ሴክሬተርያት፣ምስ’ቲ ሁማን ራይት ዝበፅሖ መደምደምታ ኣይንሰማማዕን ዝብል መልሲ ሂቡ‘ሎ።

ነዚ ተጋራጫዊ መግለፂታት ንምብራህ ተመሊስና ኣብ ሁማን ራይት ዋች ምስ ላዕለወዪቲ ኪኢላ መፅናዕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ለስሊ ሌፍኮው ተዘራሪብና ኣለና።ንዓዓ ኣቀዲምና ዘቅረብናላ ሕቶ፣ነቲ መሻርኽቲ ምዕባለ ኢትዮዽያ ዘውፅእዎ መልሰ-ግብሪ ዘለኪ ሓፈሻዊ ሪኢቶ‘ዶ ክትህብና ዝብል‘ዩ።

ንሳ ክትምልስ ከላ፣ ብመሰረቱ ምስ‘ቲ ሓገዝ ልምዓት ኣብ ዘይምዓሉ ይውዕል‘ሎ ዝብል መደምደምታ ሁማን ራይት ዋች ኣይንሰማማዕን‘ዮም ዝብሉ ዘለው። እንተኾነ፣ኣብ ኩነታት ቁፅፅር ገለ ፀገም ክህሉ ከምዝህሉ ኣይከወሉን።እቲ መሻርኽቲ ምዕባለ ኢትዮዽያ ዘካየድዎ መፅናዕቲ፣ገምጋማዊ ኣይኮነን።እቲ ሪፖርት ነቲ ዝዝረበሉ ዘሎ ክሲ ዘፅንዕ ሓይሊ ኣየዋፈረን። ብመሰረቱ ሓደ ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ንዝተላኣኹሉ ሪፖርታት‘ዩ ናብ ሓደ ጠሚሩዎም።ነቲ ንሕና ዝጠቀስናዮ ጉድለት እንተተፈፂሙ ዘፃረየ ወገን የለን።ስለዚ እቲ ሪፖርት፣ነቲ ንሕና ዝገለፅናዮ ፀገም ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይነበረን ኢላ።

መሻርኽቲ ምዕባለ ኢትዮዽያ ዘውፅእዎ ሪፖርት፣እቲ ዝልግስዎ ሓገዝ ንህይወት ሚልዮናት ኢትዮዽውያን ይቅይሮ ከምዘሎን ብቀጥታ‘ታ ሃገር ምለንየማዊ ሸቶታት ኣብ ምዕዋት ይሕግዛ ኣሎ ኢሉ ይጠቅስ። ኣተሓሒዙ፣መንግስቲ ኢትዮዽያ፣ነቲ ዝቅበሎ ደገፍ ክውል ይኹን መጠነ-ሰፊሕ ምጥፍፋእ ከምዝፈፀመሉ ዝሕብር መርተዖ ኣይረኸብናን‘ዩ ይብሉ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ምንስቲር ኮምንኬሽን ኢትዮዽያ ኣቶ በረከት ስምኦን ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፣ሁማን ራይት ዋች ባዕላዊ ሳዓሪን ሸዋሚን ንምኳን ዝመረፀ፣ዝቀበፀን ኣብ ኢትዮዽያ ብምርጫ ኣሳቢቡ መንግስቲ ንምግልባጥ ፈቲኑ ዝፈሸሎን ትካል‘ዩ ዝብል መልሲ’ዮም ሂቦም ብዛዕባ‘ቲ ዘውፃእክምዎ ሪፖርት ሪኢቶ ተሓቲቶም ክምልሱ ከለው‘ሞ ናትኪ መልሲ‘ዶ ክንሰምዕ ዝብል ሕቶ‘ሎ።ሌዝሊ ሌፍኮው ክትዛረብ ከላ “ካብ ኣቶ በረከት ከምዚ ዝዓይነቱ ዘብለጭልጭ መልሲ ንፅበዮ ነገር‘ዩ።ከምኡ ብምባል ዝፍለጡ ሰብ‘ዮም።እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ ግና፣መንግስቲ ኢትዮዽያ ነቶም ይቃልሑ ዘለው ኣዝዮም ብዙሓት መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣይቅበልን ምባሉ‘ዩ።ብወገን መንግስቲ ኢትዮዽያ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ክሳብ ዘይተተግበረ፣ኣዝዮም ከበድቲ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ክፍፀሙ‘ዮም ማለት‘ዩ።ንመንግስቲ ኢትዮዽያ ኣቀዲሙ ከሻቅሎ ዝግባእ እዚ‘ዩ” ኢላ።

XS
SM
MD
LG