ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል: ዳዕሽን ኣልሸባብን ክፍለዩሉ ብዘይከኣሉ ተኸታተልቲ ቅትለታት ትናወጽ


ፖሊስ ሶማል ኣብ ከባቢ ሞቓድሾ ህላወ ዳዕሽ ብምንጻግ: ኣብቲ ከባቢ ዝርአ ተኸታታሊ ቅትለታት ብኣልሸባብ ዝካየዱ ዘለው ምዃኖም ይሕብር።

"ዳዕሽን ኣልሸባብን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዘካይድዎ ቕትለት ንዓና ሓደ እዮም" ዝበለ ኮማንደር ፖሊስ ኣፍጎይ ዓብደልቃድር ዑስማን ሙርሳል፣ ኣብ ኣፍጎይ ዝካየዱ ተኸታተልቲ ቅትለታት ብኣልሸባብ እምበር ብዳዕሽ ከምዘይኮኑ የረድእ።

ዳዕሽ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ ኣብቲ ከባቢ ንዝተኻየዱ ቅትለታት ሓላፍነት ምውሳዱ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ንኣብነት ኣባል ሃገራዊ ጸጥታ ብዕጡቓት ድሕሪ ምቕታሉ ዳዕሽን ኣልሸባብን በበይኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ: ሓላፍነት ናይቲ መቕተልቲ ምውሳዶም'ዩ ተሓቢሩ። ዳዕሽ ንኣቀታትላ'ቲ ኣባል ሃገራዊ ጸጥታ ሶማል ብቪድዮ ዝተሰነየ መርትዖ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክልጥፍ እንከሎ: ኣልሸባብ ግን መግለጺ ብምውጻእ ጥራይ እዩ ሓላፍነት ተሰኪሙ።

ኮማንደር ፖሊስ ኣፍጎይ ዓብደልቃድር ዑስማን ሙርሳል: እቲ ቅትለት ድሕሪ ምምርማሩ ከምቲ ብዳዕሽ ይኹን ብኣልሸባብ ዝተወርየሉ ኣባል ሃገራዊ ጸጥታ ዘይኮነ: ተራ ተመሃራይ ዩኒቨርስቲ ሞቓድሾ ምንባሩ ብምሕባር ነቲ ቅትለት ኣልሸባብ ፈጺምዎ ኢሉ ከምዝኣምን ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG