ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልኡኽ ዩ-ስ ኣብ ዳዳብ ማእከል ስዱዳት በፂሑ ተመሊሱ


ሓገዝ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሞቃዲሾ
ሓገዝ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሞቃዲሾ

ንተደረቕቲን ዝጠመዩን ተወሳኺ ሓገዝ ከምዘድሊ ገሊፁ

ድልየት ሶማልያውያን ግዳያት ደርቂ፣ልዕሊ ምግዓዝ ረድኤት ይንህር ከምዘሎ ሰበ-ስልጣንን ፖለቲካዊ መራሕቲን ዩ-ስ ገሊፆም።ባዓልቲ ቤት ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን - ጂል ባይደን - ንጉጅለ ልኡኻት ዩ-ስ መሪሔን ኣብ‘ቲ ልዕሊ ፬ ሚእቲ ሽሕ ሶማልያውያን ዘዕቆቡሉ ካምፕ ኬንያ ምብፃሕ ፈፂመን‘ለዋ።

ኣባል‘ቲ ጉጅለ ዝኾኑ ሴነቴር ዩ-ስ ዝነበሩ ቢል ፍሪስት፣ኣብ ዳዳብ ኬንያ በፂሖም ምስተመልሱ፣ንግዳያት ደርቂ ንምርዳእ ተወሳኺ ፃዕሪ ኣድላዪ‘ዩ ኢሎም።

ቢል ፍሪስት ምስ ጅን ባይደንን ካልኦት ሰበ-ስልጣንን ኣብ መዕቆቢ ስዱዳት ዳዳብ ቅድሚ ትማሊ ሶኒ ምብፃሕ ፈፂሞም‘ለው።ኣብ‘ታ ዕለት‘ቲኣ ኣሜሪካ ኣብ ሶማልያ፣ኢትዮዽያን ሶማልያን ንዝተራኣየ ደርቂ ንምክልኻል ዘሐግዝ 105 ሚልዮን ዶላር ለጊሳ‘ያ።

ቢል ፍሪስት ኣብ ዘረበኦም ”እቲ ቅልውላው ብናህሪ‘ዩ ይዓቢ ከምዘሎ ብዓይንና ተመልኪትና ኢና።ንልዕሎ 15 ን 16 ን መዓልታት ብእግሮም ተጓዒዞም ናብ ማእከል ስደተኛታት ዝበፅሑ ሰባት‘ውን ኣዘራሪብና ኢና።ኣዶ ምስ ኣርባዕተ ደቃ፣ ሰብኣይ ወይ ኣቦ ንድሕሪት ኣብ ሶማልያ ዝተረፈሉ ኩነታት‘ዩ ዘሎ።ብህይወት ይሃሉ ኣይሃሉ ዝፈልጥሉ ዕድል የብሎምን” ይብሉ።

ትካላት ረድኤት፣ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ 29 ሽሕ ትሕቲ ሑሙሽተ ዝዕድሚኦም ህፃናት ከምዝሞቱ፣ልዕሊ 6 ሚእቲ ሽሕ ሶማልያውያን ድማ ካብ ዓዶም ከምዝተሰደዱ ይገልፁ።

ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ብወገኖም፣480 ሽሕ ሶማልያውያን ኣብ ኬንያ፣እቶም 420 ሽሕ ኣብ ማእከል ስዱዳት ዳዳብ ኣትዮም‘ለው።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣባል‘ቲ ጉጅለን ፍልይቲ ሓጋዚት ፕረዚደንት በራክ ኦባማን ዝኾና ጌይል ስሚዝ፣ሓገዝ ረድኤት ኣብ ሕሉፍ እዋን ሰሪሑ‘ዩ፣ሎሚ‘ውን ክሰርሕ ምኻኑ ሰባት ክፈልጡ ይግባእ ይብላ።

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣብ ኢትዮዽያን ኬንያን ካብ ዝወረዶም ፀገም ድሒኖም ኣብ‘ዚ ብርኪ‘ዚ ዝበፅሑሉ ምኽንያት፣ኣብ ሓደ እዋን ረድኤት ስለዘርከበሎም‘ዩ ኢለን ጌይል ስሚዝ።

ብUSAID፣ለገስቲን መንግስታትን፣ንደርቂ ንምኹላፍ ዝተነፀረ መደብ ከምዘሎ፣ኣሜሪካ ንኬንያ ኣብ ዘፈር ሕርሻዊ ምርምር ውፅኢታዊ ሓገዝ ኣበርኪታ‘ያ ይብላ።

እንተኾነ፣ቀረብ ረድኤት ንተደርቅቲ፣ብህላዌ ኣል-ሸባብ ተሓላሊኹ‘ሎ።ኣል-ሸባብ ረድኤት ኣየድልን ኢሉ‘ዩ።እቲ እስላማዊ ጉጅለ ካብ ሞቃዲሾ ምውፅኡ ድማ ሰናይ ነገር‘ዩ ይብላ ጌይል ስሚዝ።

ንሰን ወሲኸን ”ኣል-ሸባብ ካብ ሞቃዲሾ ምውፅኡ ኣዎንታዊ ምዕባለ‘ዩ።ነባርን ረባሕን ስጉምቲ‘ዶ ኮይኑ ዝብል ሕቶ ንምምላስ ጊዜ የድልየና‘ዩ።ናይ ኣል-ሸባብ ካብ ሞቃዲሾ ምውፃእ ግና፣በታ ከተማ ኣቢልካ ረድኤት ብቀሊሉ ንምብፃሕ ማዕፆ ዝኸፍት‘ዩ” በላ።

ሃገራት ንኩለን ትካላት ሕ/ሃ ሓገዝ ንከብርክታ ዩ-ስ ፀዊዓ‘ላ።ሎም-ዘበን ጥራሕ ዩ-ስ ንግዳያት ደርቂ ቀርኒ ኣፍሪቃ መሐገዚ ዝውዕል 565 ሚልዮን ዶላር ኣዋፊራ‘ላ።

XS
SM
MD
LG