ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝኽሪ መበል 70 ዓመት D-DAY


France Obama D-Day
France Obama D-Day
ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣውሮፓ ካብ ናይ ናዚ ወራር ነፃ ንምውፃእ ኣሽሓት ሓይልታት ጥምረት ኣብ ወሰን ማይ ኖርማንዲ ብውግእ ዝተሰውእሉን D-Day ብዝብል ስም ኣብ ዝፍለጥን ዝኽሪ ኵናት መበል 70 ዓመት ተሳቲፎም።

ሎማዕንቲ ዓርቢ 29 ግንቦት 2006 ዓ/ም ወይ 6 ሰነ 2014 ሰማያት ብጡሽ ተሸፊኑ ነፈርቲ ውግእ ኣብ ሰማይ እናተገለባበጣ መሬት የንቅጥቅጣ።እንተኾነ እቲ ናይ ሎማዕንቲ ጡሽ ንኽብሪ እቶም ስውኣት ዝተተኮሱ 21 መዳፍዕ ዝፈጠርዎ እዩ።እተን ዝበራ ዘለዋ ነፈርቲ እውን F-15 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ኮይነን ንዝኽሪ መስዋእቲ ኣሽሓት ወታደራት ዩናይትድ ስቴትስን ሓይልታት ጥምረትን እየን ምርኢት ዘርእያ ዘለዋ።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ብርክት ዝበሉ ካብ ናይ ኵናት D-Day ዝተረፉ ወታደራት ነበርን ካልኦትን ኣብዝተሳተፉሉ ስነስርዓት ኣብ ዘስዕዎ መደረ ድፋዕ ዴሞክራሲ ክብሉ ፀዊዖምዎ።ኣሜሪካ ዝወነነቶ ሓርነት፣ማዕርነት፣ነፃነትን ተፈጥራዊ ክብሪ ኩሎም ደቂ ሰባትን ኣብዚ ወሰን ባሕሪ ብደም ተፃሒፉ፤ንዘልኣለም እውን ክነብር እዩ ኢሎም።

ብዛዕባ ሰላም ንኽንፈልጥ ምእንታ እዞም ወታደራት እዚኦም ኵናት ተዋጎኦም ዝበሉ ንሶም ብምስዓብ ‘’ንሕና ብነፃነት ንኽንነብርን ብድሕሪኦም ክንዋግእ ከምዘይብልና ተስፋ ብምግባርን ንሳቶም ተዋጊኦም።ክብርን ምስጋናን ይብፅሓዮም ‘’ኢሎም።

ልዕሊ 160 ሽሕ ሓይልታት ጥምረት ካብዚኦም እቶም 73 ሽሕ ኣሜሪካዊያን እዮም፤ሓይልታት ናዚ ጀርመን ብኸቢድ ዓሪዶምሉ ንዝበሩ መስመር ድፋዕ ወሰን ማይ ንምስባር ግዙፍ መጥቓዕቲ ፈኒዮም።ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ሓይልታት ጥምረት ንፓሪስ ሓራ ብምውፃእ ከም ውፅኢት ኣብ ምሉእ ኣውሮፓ ንናዚ ስዒሮምዎ።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ድሕሪ እቲ መደረ ናይ ብሪታኒያ ንግስቲ ኤልሳቤትን መራሕቲ ኣውሮፓን ኣብ ተሳተፍሉ ካሊእ ስነስርዓት ተኻፊሎም።ናይ ሩሲያ ፕሬዝዳንት ቭላድሚር ፑቲን እውን ካብቶም መራሕቲ ሓደ ነይሮም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ብዝወሰደቶ ስጉምትታት ንፕሬዝዳንት ፑቲን ንምግላል ብዙሕ ሓይሎም ዘጥፍእሉ ናይ ኣውሮፓ መገሽኦም ናብ ምጥቕላል ገፁ እዩ።ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ኖርማንዲ ንምርኻብ ዝኾነ ይኹን ወግዓዊ መደብ ኣይነበሮምን።ግን ኣካል እቲ ስነስርዓት ዝኾነ ብናይ ፈረንሳይ ፕሬዝዳንት ኣብዝተዳለወ እንግዶት ድራድ ንብርክት ዝበሉ ደቓይቕ ጎናዊ ዝርርብ ንምክክያድ ዕድል ረኺቦም።
XS
SM
MD
LG