ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርጫ ኸንቲባ ዲሲ ኣብ ዲሞክራሲ፡ ህዝቢ ንምሻምን ንምውራድን ስልጣን ከም ዘለዎ ዘርአየ’ዩ ይብሉ ኣጋይሽ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ


ህዝቢ ዲሲ ንኸንቲባ ዲሲ ኤድርያን ፈንቲ ”ዝልአኹኻ ዕማም ስለ ዘይፈፀምካ ኣብ ክንዳኻ ካልእ መርፅ’ለኹ” ኢልዎ

ንልዕሊ 38 ዓመታት ነባሪ ዋሽንግተን ዲሲ ዝኾኑ አቶ ሐጎስ ስዩም’ን ንልዕሊ 25 ዓመታት ነባሪ ዲሲ ዝኾኑ አቶ ጎይተኦም በርሀ’ን፡ ክልቲኦም፡ ኸንቲባ ዲሲ ኤድርያን ፈንቲ ንድኻ ዝረብሕ ስራሕ ኣይፈፀመን፡ ዘመሓየሾ ነገር እንትሃለወ ኣብቲ ድሮ ደሓን ዝነበረ ክፍሊ ዋሽንግተን ዲሲ ጥራይ’ዩ ኢሎም።

እቲ ፅቡቅ ነገር፡ ዲሞክራሲ ኣብ ዘለዎ ሀገር ህዝቢ ንዝመረፆ ግን ኸአ ንረብሕኡ ዘይሰርሓሉ ሰብ ብዘይ ጎነፅ ከምታ ዝመረፆ ኸውርዶ’ውን ምኽአሉ’ዩ። እዚ ኸአ’ዩ እቲ ዓብይ ትምህርቲ ክብሉ ተዛሪቦም።

ንምሉእ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምስማዕ ኣብ ላዕላዋይ-የማን ጠውቕ

XS
SM
MD
LG