ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ -ዙር ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከል 2024


ኤርትራ -ዙር ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከል 2024
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:43 0:00

ኤርትራ -ዙር ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከል 2024

ብፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከል ኤርትራ ተወዲቡ፡ ካብ 20 ክሳብ 27 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ሸውዓተ መድረኻት ክካየድ ዝቐነየ “ዙር ዞባ ማእከል 2024” ሰንበት 27 ጥቅምቲ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብዝተኻየደ ናይ 101 ኪ/ሜ ናይ ጽርግያ ውድድር ተዛዚሙ።

ብልዑል ተወዳዳርነትን ስፖርታዊ ህልኽን ንሸውዓተ መድረኻት ዝተኻየደን 826.4 ኪ/ሜ ዝሸፈነን ናይ ደቂ ተባዕትዮ ቅድድም፡ ኣባል ጋንታ ኣስቤኮ ናታን መድሃነ ብገምጋም ኣብ ሰዓት 39.193 ኪ/ሜ እናተሓንበበ፡ ብ21 ሰዓት፡ 5 ደቒቅን 24 ንኡስ ካልኢትን ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ኮይኑ።

ኣብ ናይ ነጥቢ ናይ ቀጠልያ ማልያ ዓብደልወሃብ ኑርኣሕመድ ካብ ጋንታ ኣስቤኮ ብ37 ነጥቢ ክዕወት’ከሎ፡ ናታን መድሃነ ብ25 ነጥቢ ኣንበሳ ዓቐብ ኮይኑ።

521.6 ኪ/ሜ ኣብ ዝሸፈነ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር ድማ ኣባል ጋንታ ደቡብ ሞናሊዛ ኣርኣያ ብ16 ሰዓት፡ 23 ደቒቕን 16 ካልኢትን ብዝኾነ ጊዜ ንብጫ ማልያ ክትዕወተላ’ከላ፡ ሮምና ጉዕሽ ካብ ጋንታ ደንደን ብ50 ነጥቢ ንቀጠልያ ማልያ ተዓዊታትላ።

ኣባል ጋንታ ጋላ-ነፍሒ ብርኽቲ ፍስሃየ ድማ ብ8 ነጥቢ ኣንበሳ ዓቐብ ኮይና።

ኣርባዕተ መድረኻት ብምክያድ 163.4 ኪ/ሜ ዝሸፈነ ናይ ማእከሎት ውድድር ከኣ ናሆም ኤፍረም ካብ ጋንታ ኤሪ-ቴል ቢጫ ማልያ፡ ዮሴፍ ኣለም ካብ ጋንታ ኣስበኮ ቀጠልያ ማልያ ተዓዊቶም።

ብውልቂ ጽቡቕ ጸወታ ዘርኣዩን ብዕድመ ተኸፋፊሎም ውድድሮም ዘካየዱን ነኣሽቱ ተቐዳደምቲ’ውን ተሸሊሞም እዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG