ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ፡ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዚምባብወ


ንዚምባብወ ን37 ዓመታት ዝመርሑ ሮበርት ሙጋበ ድሕሪ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማሕዩር ገዛ ምእታዎም ትማሊ ሶሉስ መዝነቶም ከምዝለቐቑ ፓርላማ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ፓርላማ ዚምባብወ ንሮበርት ሙጋበ ብክሲ ካብ ስልጣን ንምእላይ ኣብ ዝተ ኸብሉ’ዩ ወሃቢ ቃል ነቲ ደብዳበ ንአባላት ፓርላማ ዘንበበ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዝደንት ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ወታሃደራዊ ሓይልታት ዚምባብወ ኣብ መጀመርያ እዚ ወርሒ’ዚ ነታ ሃገር ምቁጽጻሮም ሮበርት ሙጋበ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝጸንሑ ኮይኖም ካብ አባላት ገዛኢ ፓርቲ ዛኑፒኤፍ ካብ መንጎኛታትን ካልኦት አካላትን መዝነቶም ብፍቓዶም ክለቑ ጸቕጢ ክግበረሎም ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ዳሕረዋይ ስጉምቲ ወታሃደራዊ ሓይልታት እታ ሃገር ዘጋጠመ ሮበርት ሙጋበ ንምክትሎም ኤምርሰን ሙናንጋግዋ ካብ መዝነቶም ድሕሪ ምብራሮም ዘጋጠመ ምኳኑ’ውን ይፍለጥ።

ንኣብ ዚምባብወ ዘጋጠመ ለውጥታት ዝምልከት ዘተ ዘካየዱ ዓብዱራህማን ስዒድ ካብ ለንደን መርሳ ጸሃዮ ድማ ካብ መቐለ እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ዘተ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዘተ፡ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዚምባብወ
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:12 0:00

ኣብ ዚምባብወ ዝተራእዩ ለውጥታት ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG