ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀንጀታ ተላ ንምስላ ብምስላ ዝትርጉሙ ወላዲ


Qenjeta
Qenjeta

ወዲ 86 ሽማግለ ቀንጀታ ተላ ገብረሚካኤል ኣብ ወረዳ ሓውዜን ይነብሩ፡፡ ቀንጀታ ኩላ ነብሶም ምስላ፤ ንምስላ ብምስላ ዝትርጉሙ ወላዲ እዮም

ኣብ ዘበነ ዕድሚኦም ብቓሎም ዝዝክሩዎም ምስላታት፣ግጥምታትን መልቀስን ኣብ ጽሑፍ ሰፊሮም ናብ ወለዶ ከሕልፉ እዩ ትምኒቶም፡፡ ሽያጥ እቲ መጽሓፍ ድማ ንመጠወሪ ደኻትም ቆልዑ ክውዕል ይትስፈዉ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብ ልቦም ዝዓቖርዎ እንቅዓ ምዕሮ ሽሻይ ስነ ቃል ተበግሶ ወሲዱ ዘሕትመሎም ሕሉቕ ይጽበዩ ኣለዉ፡፡

ዛጊድ ነቶም ዝዘከርዎም ምስላታት ብኮምፒውተር ጽሑፍ ከቲቡ ዝስንደሎም ዘሎ ኣብ ሓውዜን ትካል ሚለንየም ቪሌጅ ዝሰርሕ ኣይተ ሚልያርድ ጣሰው ሽሙ ኣልዒሎም ኣይፀግቡዎን፡፡
ምምሕዳር ሓውዜን ድጋፍ ወረቐት ብምሃብ ግዱሳት ኢደይ ኢድካ ኢሎም ክሕግዙዎም ይምሕፀን፡፡

ቀንጀታ ተላ ናብ መቐለ ኣብ ዝመጹሉ እዋን ምስ ግርማይ ገብሩ ተራኺቦም ኣድቂቖም ኣውጊዖም ኣለዉ
XS
SM
MD
LG