ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቂሔ ጽልሚ: ዕላል ምስ ማሰኛታት ዛላምበሳ


ማሰኛ ኪዳነ ገብሩ
ማሰኛ ኪዳነ ገብሩ

ከተማ ዛላምበሳ ድባባ ዝሕል ዘበለ ኮይኑ ረኪበዮ፡፡ ቅድሚ ኵናት ኢትዮ ኤርትራ ድምቅትን ውዕውዕትን ምንባራ ይዝክር፡፡ እንተሎሚ ኩሎም ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ስርሖም እናዓመሙ እኳ እንተኮኑ ዘለዋ ግርማ ግን ኣይ ከም ቀደምን፡፡ እቶም ዝደለኩዎም ማሰኛታት ግን ንምርካቦም ኣይተፀገምኩን፡፡ ሊቀ-ሁሩያን ኪዳነ ገብረን ኣቦይ ከበደ ኣባድን ረኪበ ኣዋጊዐዮም ኣለኩ፡፡ ጉዳይ ማሰን ኣጠቃቅምኡን ኣልዒሉ ሊቐ ሁሩያን ኪዳነ ገብረ ከምዚ ይብል፤ ማሰ ኣብ መርዓ ይግለጽ፡፡ ኣብ ዕብይ ዝበሉ ተስካራት እውን ይግለፅ እዩ፡፡ ኣብ ናይ ዓበይቲ ኣፀቢቁ ንሓዘን ዘይጎድእ ይብሃል እዩ፡፡ ማሰ ጥዑም ዝኾነ ናይ ባዕሉ ኣለዎ ዋላ እቲ መልቀስ እውን ኣብ ሐዘን ዝብሃል ድኣ ይኩን እምበር ናይ ባዕሉ ዜማ ኣለዎ እዩ፡፡ ወዲ 83 ዓመት ኣቦይ ከበደ ኣባዲ፡ ጥቅሚ ማሰ እንትሕብሩ ማሰ ንተውዳስ ኢካ ትጥቀመሉ ነቲ በዓል መዓልቲ፡፡ ተደሊካ ድማ ትፀርፈሉ ኣሎ፡፡ እግረ መገድካ እውን ጥቅምካ ከተእትወሉ ይግበር እዩ፡፡ ኣብነት ዘይሓርስ ብዕራይ ዝገዝኡ ወዲ ዓድና ከሽጥዎ ደልዮም ፡፡ ድሓር ኣቶ ቢዘን ዝበሃል ኣብ ዓድና ኩሉ ግዘ ግብጃ ዝገብር ነይሩ፡፡ ኣብቲ ናቱ ጉዳይ ነቲ ሕማቅ ብዕራይ ዝሸጠሎም ሰብኣይ ሸምጢጦም ብዕራዮም ክሽየጠሎም ከምዚ ኢሎም፡፡

ኣንታ ኣብ ኣግዓፀርገ ኣሎ ኣራፋይነ ዝበሃል ተንኮለኛን ጎራሕን

ብዕራይ ሸይጡለይ ቀይሕን ቁሩሕን

ፀሚድካዮስ ግርብያ ኣይምሑን

እንተረኪበሉ ሳዕርን ፈልሕን

ኣቶ ቢዘን ከሎ ሀፍታምን ርቡሑን

ዋግኡ ከየጥፍአለይ እኳ ኣይፈርሕን

ኢሎም ማሰ ምስ በሉ ኣቶ ቢዘን ኣምፅእዎ ኢሉ ብፅቡቅ ዋጋ ገዚኡ ሓሪደዎ ፡ ዝብልን ካልእ ዝርከቦ ዕላል ኣዕሊለ ኣለኩ፡፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል፡፡

ቂሔ ጽልሚ፥ ዕላል ምስ ማሰኛታት ዛላምበሳ
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:42 0:00

XS
SM
MD
LG