ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቂሔ ጽልሚ :ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ናይ ጃዝ ሙዚቃ ምርኢትን ቃለ መጠይቅ ምስ ተመራማሪ ቛንቛ ግእዝ


ኢምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ዘዳለዎ ናይ ጃዝ ሙዚቃ ምርኢት ረቡዕ ጀሚሩ ክሳብ ጽባሕ ቀዳም ይቕጽል።

ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኢምባሲ ኣመሪካ ምስ ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ብምትሕብባር ዘዳለዎ ናይ ጃዝ ምርኢት ክሳብ ቀዳም 23 ታሕሳስ 2017 ይቕጽል ኣሎ። ፈጻሚት ጉዳይ ኢምባሲ ኣመሪካ ናታለ ብራውን፡ ኣብ ምኽፋት`ቲ ምርኢት ተረኺባ፡ ዕላማ`ቲ ምርኢት ዛሕቲሉ ንዝነበረ ምልውዋጥ ባህሊ ህዝብታት ኤርትራን ኣመሪካን ብሓዲሽ ንምብርባር ምዃኑ ሓቢራ። እቶም ኣመሪካውያን ክኢላታት ሙዚቃ ጃዝ፡ ንዕኡ ተባሂሉ ካብ ኣመሪካ ከምዝመጹን፡ ንኤርትራውያን ግዱሳት ጃዝ ስልጠናታት ክህቡ ምዃኖምን`ውን ብሓላፊት ህዝባዊ ጉዳያት ኢምባሲ ኣመሪካ ተገሊጹ`ሎ።

ኣብ መኽፈቲ`ቲ ምርኢት፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ. ዲፕሎማሰኛታትን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም ኔሮም።

መሪጌታ ሄኖክ፡ ዛጊት ሽዱሽተ ናይ ግእዝ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈን ገና ካብኡ ዝበዝሕ ንምብርካት ዘንቀደን ተመራማሪ ቋንቋ ግእዝ`ዩ። “80 ንኸውን ሰባት ኣብ ዝተራኸብናሉ እዋን ብግእዝ ጥራይ ክንዛረብ ተሰማሚዕና`ለና፡ ግእዝ ክሳብ ኣብ ኮሌጅ ማህበራዊ ሳይንስን ኣርትን ዓዲቐይሕ፡ ሓደ ኣካል ትምህርቲ ኮይኑ ክኣትው ተገይሩ`ሎ” ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG