ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቂሐ-ጽልሚ፡ሽንግርዋ ካብ ኣስመራ፡ ደርፊ ግእዝ ካብ መቐለ


ሽንግርዋ ዳግም ተበሪህዋ ! ብሓዲሽ መጸውዒ-ሽንግርዋ ኣካዳሚ፡
ካልእ፡ ብግእዝ ምድራፍ ተጀሚሩ፡ ቋንቋ ግእዝ ንኸይጠፍእ ይብል ጸሃየ ክንፈ-ካብ መቐለ።
ውድድር ሽንግርዋ ኣካዳሚ ምድላዋቱ ኣጻፊፉ ብዝሰፍሐን ብዝተፈለየን መልክዑ ተወዳደርትን ሸፈነኡን ብምስፋሕ ኣብ ምሉእ ሃገር ከካይዶ ዝጸንሐ 1ይ ዙር ውድድር ተዛዚሙ ናብ ህዝቢ ክቐርብ ጀሚሩ ።
“ዕላማ ውድድር ሽንግርዋ ኣካዳሚ ኣብ ደርፊ፥ያታውን ዘመናውን ትልሂትን ምልከት ያታዊ ሙዚቃን ተውህቦን ፍሉይ ክእለትን ዘለዎም መንእሰያት ኣላሊኻን ባይታ ፈጢርካን ብምኹላዕን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብጻሕን እዩ” ይብሉ ኣካየድትን ደያኑን ውድድር ሽንግርዋ።

ካልእ ትሕዝቶ ቂሐ-ጽልሚ፡ ጥንታዊ ቋንቋ ግእዝ ኣብ ኣብያተ-ክርስትያናት ጥራይ ተሓጺሩ ከይተርፍ ብዝብል ብደርፊ ጌርካ ምብርባሩ ተጀሚሩ-ይብል-ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፍርቃ ግእዝ ዝሓዘት ናይ ደርፊ ኣልቡም ዘመረቐ ስነ-ጥበባዊ ጸሃየ ክንፈ።

ክልቲኡ ትሕዝቶታት ቂሐ-ጽልሚ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቂሐ-ጽልሚ፡ሽንግርዋ ካብ ኣስመራ፡ ደርፊ ግእዝ ካብ መቐለ
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:46 0:00

XS
SM
MD
LG