ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቂሐ-ጽልሚ፡ ምስ ፓሎ ዘ-ፐራዲዞ


ፓሎ ዘ-ፐራዲዞ ብዝብል ናይ ብርዒ ሽም`ዩ ዝያዳ ዝፍለጥ። ሽሙ ግን ባይሩ ሃብተስላሰ`ዩ። ካብ 1991 ጀሚሩ ብናይ ብርዒ ሽም ናብ ዝተፈላለያ ሚድያታትን መጽሓፍትታት ክጽሕፍ ከሎ ፓሎ ዘ-ፐራዲዞ ክሳብ 2004 መን ምዃኑ ይፍለጥ ኣይነበረን ። “ ኣብ እንዳ ዜና ኣትየ ኸለኹ`ውን ብፓሎ ዘ-ፐራዲዞ ናብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ድምጺ ሓፋሽን ክጽሕፍ ከለኹ ንግዚኡ ኣይፈልጡንን ኔሮም-ክሳብ ተስፋኣለም ጫረ ናብ መደቡ `ዕላል ጥበባት ዓዲሙ ዘቃልዓኒ “ ይብል ፓሎ።

ፓሎ ዘ-ፐራዲዞ ፡ ዝሓልፈ ወርሒ “ልቦና ኣብ ሓንቲ ደቒቕ” ትብል መጽሓፍ ናብ ህዝቢ ዘርጊሑ`ሎ። መልእኽታ ፡ ኣብ ከባቢ ዱባይ ዝተዓዘቦ ዘሰክፍ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ ዝበሎ ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ክዕረን ማሕበራዊ ክብርታት ክዕቀብን ዝመክር`ዩ።

ባይሩ፡ ከም መዝገበ-ቓላት ትግርኛ-ዓፋር- እንግሊዝኛ -ምስ ካልኣዩ ዝጸሓፋን ካልኦትን`ውን ዘበርከተን፡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ “ኣስመራ ዱባይ” ትብል መጽሐት ዘዳሉ ዘሎን`ዩ።

ምስ ፓሎ ዝተገብረ ቃለመጠይቕ ቀዳማይ ክፋሉ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

ቂሐ-ጽልሚ፡ ምስ ፓሎ ዘ-ፐራዲዞ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:13 0:00

XS
SM
MD
LG