ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝኽሪ ጉጅለ ኪነት ዘርኣይ ደረስ


 ኣረፋይነ ገብሩ
ኣረፋይነ ገብሩ
ኣረፋይነ ገብሩ ሓደ ካብቶም ንጉጅለ ኪነት ዘርኣይ ደረስ ዘጣየሹ ኣባል እዩ፡፡ እቲ ጉጅለ ኪነት ሓሙሽተ ከየንቲ እዮም ኣጣይሸምዎ፤ ኣረፋይነ ገብሩ፣ ሃይለ ገብሩ፣ብርሃነ፣ተኽለን ዓብደላን፡፡ ብድሕሪኡ ኣውሬልዮ ዝባሃል ክኢላ ጊታር ታሓዊሱዎም፡፡

ወዲ 63 ኣረፋይነ ገብሩ ነታ ኣጸቢቑ ዝመልካ ዝነበረ ሳክስፎን ምጽዋት ካብ ዝገድፋ 35 ዓማውቲ ገይሩ’ሎ፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ቅኒት ካብ ምፍታን ወጻኢ ዳርጋ ረሲዑዋ እዩ፡፡ ኣብቲ ዘመን’ቲ ሳክስ ጥራሕ ተይኮነስ ፍሉት እውን ይጻወት ምንባሩ ሻቡ ዝተሳኣልዎ ሪአ ሓቲተ ኣረጋጊጸ እየ፡፡

መጸውዒ እታ ጉጅለ ኪነት ንኽብሪ ሓርበኛ ዘርኣይ ደረስ ታሓሲቡ ከምዝተሰየመ ኣረፋይነ ነጊሩኒ፡፡ እታ ጉጅለ ኪነት መሰረታ ኣብ ኣስመራ እዩ ነይሩ፣ ኮይኑ ግና ናብ ኣዲስ ኣበባ እውን መጽዮም ይጻወቱ ምንባሮም ይዝክር ኣረፋይነ፡፡ ግዳስ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንትመጹ ብጎቦ ዓይኒ ይረአዩን ስራሕቶም ይፍተሽን ነበረ፡፡

“ኣብ መንጎና ብዝነበረና ፍቕርን ስኒትን ብዙሓት ይግረሙ ነይሮም፤ ብኽእለት ሙዚቃ እውን ንኡዳት ነይርና፡፡ኣብ መወዳእታ 1974 ኣብ ባዓል ኣስተርእዮማርያም ክንጻወት ናብ ባጽዕ ወሪድና፤ ሽዑ ብኣጋጣሚ ኣብ ሓደ እንዳ መስተ ቦምቢ ይነቱግ፡፡ በዚን ክንድዝን ባሕረኛታት ደርግ መጺኦም ንብረትና ዝቕደድ ቀዲዶም ዝውሰድ ወሲዶም ኣበሳቢሶሞ ናዓና እውን ኣብታ ከተማ ወርሒ ዓጽዮምና፡፡ ብድሕሪኡ ተደናጊጽና ገሌና ናብ መይዳ ገሌና ናብ ሱዑዲ ንኣቱ ጌለና ናብ ኣስመራ ንምለስ ፋሕጭንግራሕ ኢልና፡፡ ኣነ ብሱዕዲ ኣቢለ ናብ ሽወደን ኣትየ” ብምባል ዝኽርታቱ ይገልጽ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣባላት ጉጅለ ኪነት ዘርኣይ ደረስ ዳግም ተጣይሾም ተዝጻወቱ ዘለዎ ህርፋንን ሰናይ ትምኒትን ይገልጽ ኣረፋይነ፡፡

ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:41 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG