ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ዝጸንሑ ሰዓብቲ ሓደ ጉጅለ ሃይማኖት ናብ ኡጋንዳ ምፍናዎም ሰበ ስልጣን ኡጋንዳ ገሊጾም


ከተማ ኣዲኣ ኣበባ - ኢትዮጵያ
ከተማ ኣዲኣ ኣበባ - ኢትዮጵያ

ብጥምየት ክንድሕን ኢና ዝብል ሃይማኖታዊ እምነት ሒዞም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተው ኡጋንዳውያን ናብ ዓዶም ከምዝጥረዙ ተገይሩ።

80 ዝኾኑ ኡጋንዳውያን ብጥምየት ኣቢልኩም ንእየሱስ ክትረኽብዎ ኢኹም ተባሂሎም ብፓስተሮም ተነጊርዎም ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ጸኒሖም።

ሕጂ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ናብ ዓዶም ከም ዝምለሱ ከም ዝተገብረ ሰበ-ስልጣን ኡጋንዳ ኣፍሊጦም ኣለዉ። እቲ 'ሲሞን ኦፖሎት` ዝተባህለ ፓስተር ድማ ብፖሊስ ይድለ ከምዘሎ ሓቢሮም ኣለዉ።

እቶም ሰዓብቲ ፍሉይ እምነት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ን40 መዓልታት እንተጸይሞም ኣብ መበል 41 መዓልቲ ንእየሱስ ከም ዝረኽብዎ እዩ ተነጊርዎም።

ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ግን ነቶም ኡጋንዳውያን ተቐቢሎም ኣብ ሓደ ካምፕ ዓጽዮም ከም ዝጸንሑ ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ይጠቅስ።

ኣብ 2000 ዓ.ም'ውን ኣብ ኡጋንዳ ሰዓብቲ ምንቅስቓስ ምዕቃብ 10 ትእዛዛት ዝበሃሉ ኣስታት 700 ሰባት ንክንድሕን ብዝብል ብሓዊ ተቓጺሎም ከም ዝሞቱ ይዝከር፡ ካብ ዓለም ካብ መንጎ ዝኸፍአ ምስ እምነት ዝተኣሳሰር ህልቀት ተባሂሉ ድማ ተገሊጹ ኔሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG