ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ከባቢ ባዳ ዝርከብ ፕሮጀክት ማዕድን ኮሉሊ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ፍርያት ከምዝጅምር ተገሊጹ


ኣብ ኤርትራ ከባቢ ባዳ ዝርከብ
ኣብ ኤርትራ ከባቢ ባዳ ዝርከብ

ኣብ ኤርትራ ከባቢ ባዳ ዝርከብ ፕሮጀክት ማዕድን ኮሉሊ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ፍርያት ከምዝጅምር ዝተገልጸ ኤርትራውን ኣውስትራሊያውን ኩባንያታት ማዕድን ፖታሽ ንምጅማር ዘኽእል ስምምዕ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ምፍርራሞም`ዩ።

ኩሉሊ በዓል-ብርኪ ኩባንያ በቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝመደበሩ ዳናኪል ዝበሃል ኩባንያ ማዕድን ዝውነን ኮይኑ ኣብ`ቲ ናይ ኩሉሊ ማዕድን 50 ሚእታዊት ብርኪ ከምዝውንን ክፍለጥ ተኻኢሉ`ሎ።

ነቲ ናይ መወዳእታ ዲዛይን ናይ ፕሮጀክት ትሰርሖ ዘላ ፍሎር ትብሃል ኣመሪካዊት ኩባንያ ምዃና፡ ከምኡ`ውን ጀይ ፒ ሞርጋን ዝተባህለ ናይ ኣሜሪካ ዝዓበየ ባንኪ 9.2 ሚእታዊት ብርኪ ከምዝውንን ኣካያዲ ስራሕ ፕሮጀክት ማዕድን ኩሉሊ ኣቶ ዘርኣይ ለኣከ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ`ሎ።

እቲ ኣብ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ከባቢ ባዳ ዝርከብ ፕሮጀክት ማዕድን ኩሉሊ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ቶን ፖታሽ ከፍሪ ከምዝኽእል ተሓቢሩ`ሎ።

ኣብ ፕሮጀክት ኩሉሊ ዝፈሪ ማዕድን ፖታሽ ንሕርሻ ኣዚዩ ተመራጺ ምዃኑ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG