ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩባ ካብ ስድራ ቤት ካስትሮ ወጻኢ ፕረዚደንት ትመርጽ


ሚጉወል ዲያዝ-ካነል ዝቕፅል ናይ ኩባ ፕረዚደንት ንኩኾኑ ተመሪፆም።እዚ ኣብ ውሽጢ 60 ዓመታት ስርዓት ኮሚኒስት ናይታ ሃገር ካብ ናይ ካስተሮ ስድራ ወፃኢ ካልእ ፕረዚደንት ክኸውን እዚ ንፈለማ ግዜ እዩ።

57 ዓመት ዝዕድሚኦም ዲያዝ ካኔል በይኖም ንሕፀ ቀሪቦም እዮም ንዝቕፅል ሓሙሽተ ዓመት ፕረዚደንት ኮይኖም ተዓዊቶም ዘለው ብመሰረት መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኩባ።

ቅልጡፍ ለውጢ ከምፅኡ ትፅቢት ኣይግበረን።ሎማ ሓሙስ ቃለ መሓላ ድሕሪ ምፍፃሞም ኣብዘስምዕዎ መደረ ናይ ካስትሮታት ስርዓት ሶሻሊስት ከምዝቕፅልሉ ቃል ኣትዮም ኣለው።

ምኽትል ፕረዚደንት ዝነበሩ ዲያዝ-ካነል ቅድሚ 60 ዓመታት ንሱር በተኽ ናይ ዝተግኡን ብዕድመ ጥሮታ ይወፅኡ ናይዘለውን ቅቡል ተካኢ ተገይሮም ይውሰዱ።

ድሕሪ ናይ 10 ዓመት ናይ ስልጣን ግዜ ጡረታ ይወፁ ዘለው 86 ዓመት ዝዕድሚኦም ራውል ካስትሮ ሓዎም ንፊደል ክስትሮ እዮም።

ብዕድመ ንእስ ዝበሉ ናብ መሪሕነት እንተደየቡ እውን ራውል ካስትሮ መራሒ ኮሚኒስት ፓርቲ ኮይኖም ከምዝቕፅሉ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG