ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወፍሪ ኣብ ስቱር ባጤራ (ክርይፕቶ-ካረንሲ) ኣብ ቃራና መገዲ


መተካእታን ሰውራዊትን ኣገባብ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ተባሂሉ ብዙሓት ኣውፈርቲ ስሒቡ ዝነበረ ስቱር ባጤር (ክርይፕቶ-ካረንሲ) ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ብርኡይ የንቆልቍል ኣሎ። ገለ ግን መጻኢ ኣብኡ ምዃኑ ኣሚኖም ገና ወፍሮም የቕጽሉ ኣለዉ።

መምህር ስነ-ጥበብን ኣብ ስራሓት ውቃጦ ኣካላትን ዝነጥፍ ጀምስ ዊስደም፡ ካብቲ ኣዝቤዛ ዝገዝኣሉ ድኳን ኣዘውቲሩ ቢት-ኮይን ይገዝእ። ናብ ጥቃኻ ዘሎ ድኳን ኬድካ ስቱር ባጤራ ቢት-ኮይን ክትገዝእ ምኽኣል መጻኢ መገዲ ርእሰማላዊ ሕብረተሰብ ምዃኑ ዊስደም ይኣምን።

ቢትኮይን፡ ኢተረምን ቴዘርን ዝተባህሉ ሰለስተ ዓይነት ስቱር ባጤራታት መዛረቢ ብዙሓት ኮይኖም ጸኒሖም። ሓያሎ ሃገራትን ትካላትን ድማ ምስ ቅልጣፈ ግዜ ንምጕዓዝ ንምፍራዮም ክጓየያ ጸኒሐን።

መወዓውዒ ብዙሓት ትካላት፡ መጻኢ ኣብ ስቱር ባጤራ ስለ ዝዀነ፡ እቶም ደለይቲ ለውጢ ኣብኡ ከውፍሩ ክጽውዓ ጸኒሐን።

ስቱር ባጤራ ንዅሉ ነገር ንምግዛእ ዛጊት ኣየኽእልን’ዩ። እዚ ግን ንብዙሓት ኣብኡ ካብ ምውፋር ኣይዓገቶምን። ንገለ ወገናት ድማ ሓደ መርኣያ ናይ ማዕርነታዊ ሕብረተሰብ ኰይኖም ኣለዉ።

እዚ እንኮላይ ነቶም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣናት’ውን ዘጠቓልል’ዩ።

ካብ ሰልፊ ረፓብሊካን ዝዀነ ኣባል ሰነት ቴድ ክሩዝ ኣብ መኽፈቲ ትካል ሀሪታጅ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፤“ሓደ ካብቲ ጽባቐ ጎድኒ ናይ ምጥቃም ቢት-ኮይንን ካልኦት ስቱራት ባጤራታትን ኣብ ዝሃለኻ ሃሊኻ ናብቲ ፋይናንሳዊ ዓለም ማዕጾ ዝኸፍት ምዃኑ’ዩ። እዚ ከኣ ኣበይ ቦታ ኣለኻ’ውን ዘገድስ ዘይምዃኑ’ዩ።”

ኣብ ስቱር ባጤራታት ወፍሪ ምግባር፡ ብሕልፊ እኳ ነቶም ካብቲ ዝውቱር መስመር ክወጽኡ ዝደልዩ እናተመልደ’ዩ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብ ወፍሪ ብሎክ-ቸይን እተማኽር ክለቭ መሲዶር (Cleve Mesidor) ንንኣሽቱ ኣውፈርቲ ካልእ ኣማራጺታት ከናድዩ ትምዕድ’ያ። ኣብ ወፍሪ ንመጻኢ ብልክዕ ምትንባዩ ስለ ዘይከኣል፡ መንእሰያት በታ ዘላቶም ንእሽቶ’ውን ወፍሪ ክጅምሩ ምኽሪ ትህብ። ከም ኣገላልጻ መሲዶር፡ እታ መዓልታዊ ዝሕሽሹዋ’ውን ቆጢቦም ካብ ብንኣሽቶኦም ኣብ ርእሰ-ማል ምውፋር እቲ ቀንዲ ምስጢር’ዩ።

ስቲቨ ለክ ሓደ ካብቶም ብንኣሽቶኦም ኣብ ወፍሪ ዝኣምኑ’ዩ። ወዲ ዓሰርተ ዓመት ንእንከሎ፡ ንስድራኡ ኣብ ስቱር-ባጤራ (ክርይፕቶ) ወፍሪ ክገብሩ ተዛሪቡ።

ኣዝዩ ንእሽቶ ደኣ ይንበር እምበር፡ ብዛዕባኡ ኣንቢቡ ከም ዝመሰጦን ተገዳስነት ከሕድር ከም ዝገበሮን ይነግር።

ስድራኡ ኣይሰምዑዎን። ሓወቦኡ ግን ምግዝኣ ቀጺሉ። ባዕሉ ስቲቭ’ውን ኣብ ምግዛእ እቲ ስቱር ባጤራ ተዋፊሩ።

ቀሊል ኰይኑ ግን ኣይረኸቦን። ወትሩ ንግሆ ተንሲኡ ክንደይ ኣዋህሊሉ ክርኢን መጠን ወፍሩ ክከታተልን ናብ ብርቱዕ ስራሕ ከም ዝተቐየሮ ይነግር።

ሕጂ ወዲ 17 ዓመት ኰይኑ ንኮለጅ ዘምርሕ ዘሎ ስቲቭ ለክ፡ ምንቍልቋል ዋጋታት ምስ ጀመረ እቲ ዝነበሮ ስቱር ባጤራ ብምሉኡ ክሸጦ ወሲኑ። ኣብ መወዳእታ ምሉእ ኣብቲ ስቱር-ባጤራ (ክርይፕቶ) ዝገበሮ ወፍሪ ክሸጦ እንከሎ ግን 700 ሚልዮን ዶላር ዝዋጋኡ ሃብቲ ኣኻዕቢቱ።

ስቲቭ ለክ ኣብ ስቱር-ባጤር ንምውፋር ዘተባብዖ ክዛረብ እንከሎ፤“ክርይፕቶ፡ካረንሲ ኣዝዩ ጽቡቕ ሓሳብ’ዩ። ብመሰረቱ እቲ ምስጢር ኣብ ምክፍፋልን ዘይምምእካልን ዋንነት ዝምስረት ብምዃኑ ድማ ፍሉይ ይገብሮ። እቲ ኣገባብ ንቝጠባ ጥራይ ዘይኰነስ ንፖለቲካ ንምርዳእ’ውን ኣዝዩ ሓጋዝ’ዩ፡” ይብል እቲ ካብ ወፍሪ ስቱር-ባጤራ ልዕሊ 700 ሚልዮን ዶላር ንምውህላል ዝበቕዐ ስቲቭ ለክ።

እቲ ጽላት ግን ካብ ሓጎጽጎጽ ናጻ ኣይኰነን። ማዕረ’ቲ ኣብቲ ዓውዲ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ፡ ነቲ ዘሎ ህንጡይነት መዝሚዞም ንኣውፍርቲ ዘደናግሩን ዘይከውን መብጽዓታት ዘስምዑን ወገናት ብዙሓት’ዮም። መንግስታዊ ኣካላት ድማ ንኸምዚኣቶም ምቍጽጻር ክገብር ይፍትን ኣሎ።

ንኸም በዓል ጀምስ ዊስደም ግን ከዳናግሩ ዝፍትኑ ቦታ ከም ዘይህቦምን ውሑስ መገዲ ከም ዝጥቀምን ይነግር። ምኽሪን ካልእ ዘድሊ ሓበሬታን ዝለዋወጡሉ መርበባት ኢንተርነት’ውን ኣሎ።

ንገሊኣቶም ግን እቲ ዓውዲ ገና ወፍሪ ክትገብረሉ ውሑስ ኣይኰነን። መንግስታት ብዛዕባ ክወስዱዎ ዝኽእሉ ስጕምታት ንምፍላጥ’ውን ኣብዚ ሕጂ ኴንካ ክትርእዮ ኣጸጋሚ’ዩ ይብሉ። ዝበዝሑ ሕቶታት ምስ ግዜ ዝምለሱ’ዮም።

XS
SM
MD
LG