ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ክሪምያ ‘ናብ ሩስያ ክንሕወስ ኢና‘ ኢሉ ወሲኑ


ኡክረይን
ኡክረይን
ኣባላት ፓርላማ ክሪምያ ኡክረይን፣እታ ግዝኣት ናብ ሩስያ ክትሕቆፍ ወሲኖም።እዚ ስጉምቲ‘ዚ ነቲ ቅልውላው ዝያዳ ከንህሮ‘ዩ ተባሂሉ።

ደገፍ ሞስኮ ዘለዎም ኣባላት‘ቲ ፓርላማ ናብ‘ዚ ውሳነ‘ዚ ዝበፅሑ፣መራሕቲ ኣውሮዻ ንሩስያ ፀቅጢ ፈጢሮም ካብ ወትሃደራዊ ስርሒት ክሪምያ ንክትስሕብ ኣብ ዝፍትንሉ እዋን‘ዩ።

መንግስቲ ብዓብላሊ ሩስያውያን ናይ ዝነብሩላ ክሪምያ፣ምስ ሩስያ ክንሕወስ ንዝብል ሕቶ፣ናብ ረፈረንደም ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ከምዝቀርብ ኣፍሊጡ።ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑትን ነዚ ፃውዒት‘ዚ ንክምርምርዎ‘ውን ሓቲቱ‘ሎ።

ምንስትር ቁጠባ ኡክረይን ፓቭሎ ሼርሜታ ግና፣ክሪምያ ትወስዶ ዘላ ስጉምቲ ረፈረንደም፣ሕገ-መንግስታዊ ኣይኮነን ኢሎም።

ክሪምያ ካብ ኡክረይን ተፈልያ ናብ ሩስያ ንምሕዋስ ዝጀመረቶ መስርሕ፣ እቲ ቅልውላው ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ንምድቃስ ንዝካየድ ዘሎ ፈተነ ዘፍሽል‘ዩ‘ውን ተባሂሉ‘ሎ።
XS
SM
MD
LG