ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

CPJ ንዞን-9 ብሎገራት ክሽልም እየ ኢሉ


ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለምለኸ ትካል CPJ ንዞን-9 ፀሓፍቲ ኢንተንርነትን ብሎገራትን ክሽልሞም እየ ክብል ኣፍሊጡ።ስራሕቲ ሚዲያ ኣብ ዝደኸመሉ ሃውህው ወይ ብፋይናንሳዊ ፀገምን መጥቓዕትታት መንግስትን ዝሰርሑ ብሎገራት ንዝፃወትዎ ጊድ CPJ ኣፍልጦ ይህብ ይብል በቲ ትካል ዝወፀ መግለፂ።

Committee to Protect Journalists ብሓፂር ኣፀዋውዓ CPJ ብዝብል ስም ዝፅዋዕ ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓልመልኸ ትካል ዞን-9 ብዝብል ንዝፍለጡ ጋዜጠኛታት International Press Freedom Award ሽልማት ዓለምለኸ ነፃነት ፕረስ ክሽልሞም እዩ።ኣብ CPJ ናይ ኣፍሪካ ኣዋሃዲት ፕሮግራም ሱ ቫልንታይን ብዛዕባ ኣገዳስነት እቲ ሽልምት እንትዛረባ ንተባዕ ጋዜጠኝነት ኣፍልጦ ምሃብ ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ ኢለን።

‘’ዞን-9 ንዝሰርሑዎ ስራሕ ኣፍልጦ ንምሃብ እዩ’’ ዝበልሳ ንሰን ብምስዓብ ’’ንኣገዳስነት ማሕበራዊ መራኸቢ፣ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪካ ኦን ላይን ተጠቒሞም ሓሳቦም ንምግላፅ ንዘርኣይዎ ትብዓት ኣፍልጦ ንምሃብ እዩ’’ኢለን።

ዘደንቕ ቁጠባዊ ዕብየት ዘመዝገበት ኢትዮጵያ ኣብ ሰናይ ምሕደራን ዴሞክራስን ነዊሕ ከምዝተርፋ ብምሕባር ኢትዮጵያ ናይ ዜጋታታ መሰላት ስለ እትነፍግ ኣቓልቦ ክረክብ ምግባር እውን ካብ ኣገዳስነት እቲ ሽልማት ሓደ እዩ ኢለን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 2015 ንሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ምፍትሑ ከምዝፅቡቕ ምልክት ዝርኣይ’ዃ እንተኾነ ሎሚ እውን ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ዝተረፉ ጋዜጠኛታት መንግስቲ ክፈትሖም ፀዊዐን ቫልንታይን።

ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣርባዕተ ኣባላት ዞን-9 ብሎገራትን ከም ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋን ዝኣመሰሉን ጋዜጠኛታትን መንግስቲ ክፈትሖም ኣለዎም ኢለን።

XS
SM
MD
LG