ዋሽንግተን —
ተሓላቒ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት (CPJ) ኢትዮጵያ ንለበዋታት ሕቡራት ሃገራት ብምትግባር ንድሕነት ጋዜጠኛታትን መሰል ምግላጽ ሓሳባትን ከተውሕስ ጸዊዑ። እዚ ትካል ብምኽንያት ኣብቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝግበር ዓመታዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት’ዩ ነዚ መተሓሳሰቢ ኣቐሪቡ።
ኣብቲ ሎሚ ንኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ዝካየድ ከይዲ ምስማዕ፡ እቲ ትካል ንኹነታት መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ኣመልኪቱ ኣብ 2019 ዳህሳስ መሓውራት ዜናን ለበዋታትን ምሃቡ ኣዘኻኺሩ።
ተሓላቒ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ኣብ መግለጺኡ ተደጋጋሚ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት፡ ምጕስቓል ሰራሕተኛታት መሓውራት ዜና፡ ዓፈና ሓበሬታን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ከም ዝርአ ኣመልኪቱ ኣሎ። ሕግታት መሰል ፕረስ ኢትዮጵያ ምስ ዓለማዊ ስምምዓት መሰል ምግላጽ ሓሳብካ ብዝሳነ መንገዲ ክመዓራረይ’ውን እቲ ትካል ተማሕጺኑ ኣሎ።
ቅጥዒ