ዋሽንግተን —
ምስ ራዲዮ ቢላል ዝሰርሑ ዝነበሩ ኻልድ መሓመድን ደርሰማ ሶሪን፡ መንግስቲ ንምግልባጥ ተሓባቢርኩም ተባሂሎም ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዶም።
ኣብ ኮሚቴ ተሓላቒ ደሕንነት ጋዜጠኛታት ዳይሬክተር ኣፍሪቃ ኣንጀላ ኩዊንታል “እዚ ሕሱም ፍርዲ`ዚ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመሰል ሓሳብካ ምግላጽ ተጻባኢ ምዃኑ ዳሕራዋይ ኣብነት`ዩ” ኢላ።
ኢትዮጵያ 16 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ካብ ዓለም ካብ መንጎ`ተን ሓሙሽተ ዝለዓላ ኣሰርቲ`ያ ይብል ሲፒጄ።