ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዓመታዊ ብዝሒ እሱራት ጋዜጠኛታት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ይመርሓ


ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት (CPJ) ነዛ ዝተዛመት ዓመተ-2023 ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ
ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት (CPJ) ነዛ ዝተዛመት ዓመተ-2023 ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ

ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት (CPJ) ነዛ ዝተዛመት ዓመተ-2023 ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት፡ ብደረጃ ዓለም ነቲ ሰሌዳ ቻይና ክትመርሖ እንከላ፡ ኣብ ትሕቲ-ሳህራ ኣፍሪቃ ድማ ኤርትራ፡ ብኢትዮጵያ ተኸቲላ ነቲ ዝርዝር ይመርሓ።

እቲ ትካል ክሳብ ሓደ ታሕሳስ ናይ 2023 ብድምሩ 320 ጋዜጠኛታት ኣብ ማእሰርቲ ምህላዎም ኣመልኪቱ ኣሎ። እዚ ኣሃዝ ድማ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ኣብ 1992 ምምዝጋብ ካብ ዝጅምር ንደሓር እቲ ካልኣይ ዝዓበየ ኣሃዝ ምዃኑ’ዩ።

እቲ መጽናዕቲ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን 44 ጋዜጠኛታት ኣሲራ ምህላዋ ዝተሓበረት ቻይና ምስታ ብ43 ጋዜጠኛታት ብምእሳር እትስዕባ መይንማር ብዓለም ዝለዓለ ኣሃዝ እሱራት ጋዜጠኛታት ኣመዝጊበ ኣለዋ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት (CPJ) 16 ጋዜጠኛታት ኣሲራ ምህላዋ ዝተሓበረት ኤርትራ ነቲ ኣብ ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ዝርአ ብዝሒ ማእሰርቲ ትመርሖ። እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ መብዛሕትኦም እቶም ጋዜጠኛታት ንነዊሕ ዓመታት፡ ኣብ ዝጸንከረ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝተታሕዙ ኰይኖም፡ ገና ናብ ፍርዲ ከም ዘይቀረቡ የመልክት።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ንጻብጻብ'ቲ ኮሚተ ዘካፈለት ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዝጸሓፎ ናይ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ግብረ-መልሲ፡ “ሓቅነቱ ቀደም ዝወደቐ፡ 20 ዓመታት ዘሕለፈ ብኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ዝቐርብ ናይ ውሑዳት ጋዜጠኛታት ክሲ” ክብል ጽሒፉ።

ኢትዮጵያ ንሸሞንተ ጋዜጠኛታት ኣሲራ ምህላዋ ዘመልከተ ጸብጻብ CPJ፡ ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ተጻብኦ’ውን ብሕልፊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ማእሰርቲን ምግልታዕን ጋዜጠኛታት ወሲኹ ምህላው ኣመልኪቱ።

ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ንግብጺ ኣብ ትሕቲ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝብል ምድብ ዝሰርዓ ኰይኑ 13 ጋዜጠኛታት ኣሲራ ምህላዋ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ዓመታዊ ጸብጻብ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተኣሲሮም ነይሮም ዝተፈትሑ ጋዜጠኛታት ኣይሕውስን’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኮሚተ ድሕነት ጋዜጠኛታት ዓመተ-2023 ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG