ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ 3 ጋዜጠኛታት መጥቃዕቲ ከምዘጋጠሞም ኮሚተ ድሕነት ጋዜጠኛታት ገሊጹ


ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት(CPJ) ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ንሰልፊ ተቓውሞ ሽፋን ክህቡ ዝወፈሩ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ፖሊስ እታ ክልል ሃሪሙ ኣሲሩዎም ክብል ከሲሱ። እቲ 7 መስከረም ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ከም ዘጋጠመ ዝተገልፀ ፍፃመ ጋዜጠኛታት ነቲ ብሰበስልጣን ግዚያዊ መንግስቲ እቲ ክልል ዝተከልከለ ሰልፊ ተቃውሞ ንምዕዛብ ኣብ ዝወፈርሉ እዋን ምዃኑ ተዓዛቢ ናፅነት ፕረስ ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ ክብል ኣጃንስ ፍራንስ ይሕብር።

ሪፖርተራት ኣያም ሚድያ ንኮሚተ ድሕነት ጋዜጠኛታት ብዝሃብዎ ቃል መሰረት ጋዜጠኛታት ተሻገር ፅጋብ፥መሓሪ ካሕሳይን መሓሪ ሰሎምን ብመለለይ ክዳን ፖሊስ ዝተኸደኑ ኣባላት ፖሊስ ጠጠው ከብሉ ከም ዝተነግሮምን ደሓር ድማ ብኣባትርን ናይ ኤሌክትሪክ ገመድን ከም ዝሃረምዎም ተዛሪቦም።

ወኪል ኮሚተ ድሕነት ጋዜጠኛታት ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ ሙቶኪ ሙሞ ኣብቲ መግለፂ ከምዝበለቶ “ምእሳርን መግረፍትን እዞም ሰለስተ ሪፖርተራት ዘርእዮ ሰበስልጣናት ክልል ትግራይ ጋዜጠኛታት ወሰንቲ ዛዕባታት ሸፈነ ክህቡ ዘፍቅድ ባይታ ከምዘየሎ ዘርኢ ዘሕዝን መልእኽቲ ዘሕልፍ እዩ፡” ኢላ።

“ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነዚ ፍፃመ መርሚሩ ነቲ ተግባር ዝፈፀሙ ኣካላት ተሓተቲ ክኾኑን ከምኡ'ውን ፕረስ ብዛዕባ ሰልፍታት ተቃውሞን ድምፂታት ተቓውሞን ብዘይመጥቃዕቲ ሪፖርት ምግባር ከምዝከኣል ዘፍቅድ ሃዋህው ከውሕስ ይግባእ” ክብል እቲ መግለፂ ኣተሓሳሲቡ።

መሓሪ ካሕሳይን መሓሪ ሰለሙንን 9 መስከረም ብዋሕስ ክፍትሑ ከለዉ ተሻገር ፅጋብ ግን 11 መስከረም ብነፃ ምውፅኡ ኮሚተ ድሕነት ጋዜጠኛታት ሓበሬታ ምርካቡ ይገልጽ። እቲ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ክካየድ ዝተፀወዐ ሰልፊ ተቓውሞ ብመሪሕነት ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን “ምልካዊ ባህርያቱን” ዘይተሓጎሱ ኪዳን ተቓወምቲ ውድባት ዝተፀወዐ ምንባሩ ይግለጽ። ሰበስልጣን እቲ ክልል ኣብ 12 መስከረም ዝተኸብረ ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያ ምኽንያት ብምግባር ዋሕዲ ሓይሊ ፖሊስ ከምዘጋጠሞም ብምግላፅ እቲ ሰልፊ ተቓውሞ ንኸይካየድ ምኽልካሎም ይገልፁ። ይኹን ደኣ እምበር እዚ መብርሂ ብኣዳለውቲ'ቲ ሰልፊ ተቀባልነት ኣይረከበን።

ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሑ ዘለዉ ጌታቸው ረዳ ካብ ማዕከን ዜና ፈረንሳይ ንዝተላእከሎም ሕቶ መልሲ ኣይሃቡን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG