ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካሜሮን፡ ሕጊ አንጻር ግብረ ሽበራ ንዓፈና ነቐፍትን ተቓወምትን ትጥቀመሉ ኣላ ክብል ሲፒጀ ከሲሱ


ንደሕንነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ኮሚቴ ማለት ሲፒጀ ተባሂሉ ዝፍለጥ ተሓላቒ ጋዜጠኛታት ካሜሮን ኣብ 2014 ዓ.ም ዘውጸኣቶ ሕጊ አንጻር ግብረ ሽበራ ንምጽቓጥ ነቐፍቲን ተቓወምትን ትጥቐመሉ አላ ክብል ይኸስስ።

እቲ ትካል ብተወሳኺ ካሜሮን ነቲ ኣብ 2014 ዓ.ም ዝወጸ ሕጊ አንጻር ግብረ ሽበራ ጋዜጠኛታት ንምእሳርን መራኸቢ ብዙሃን ንምፍርራሕ ትጥቐመሉ አላ ዝበለ ኮይኑ እዚ ድማ ብዛዕባ ቦኮ ሓራምን አካታዒ ጉዳይ ኣብ እንግሊዝኛ ተዛረብቲ ዞባታት እታ ሃገር ንዘሎ ተቓውሞ ኣብ ዝጽሕፋን ዝጽብጽባን ምኳኑ እቲ ትካል ወሲኹ የረድእ።

ብሩኖ ኑክዋሜ ካብ ማሕበር ጋዜጠኛታት ካሜሮን ጋዜጠኛታት ንሞያኦም ይሰግኡ እዮም ይብል።

ንሱ ብተወሳኺ ጋዜጠኛታት ገበነኛታት ኣይኮኑን ስለዚ ድማ ማሕበሩ ንሞያን ስነ ምግባር ጋዜጠኛነት ክኽበር ከምዘተባብዕ ይገልጽ።

ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ንደሕንነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል ሲፒጄይ ክሳብ ሕጂ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ብመሰረት እዚ ሕጊ ምእሳሮም ብምግላጽ እቲ ሕጊ ክሳብ ሞት ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ዘጠቓለለ ምኳኑ’ውን ይገልጽ።

ብመሰረት ድምጺ ኣሜሪካ ዘለዎ ሓበሬታ ድሕሪ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝጀመረ ዘይምርግጋእ አስታት 30 ዝኾኑ መራኸቢ ብዙሃን ተዓሺጎም ወይ ከይሰርሑ ተአጊዶም አለው። መንግስቲ ንኣገልግሎት ኢንተርነት ክልተ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ዝኾና ዞባት ንሰለስተ ወርሒ ምዕጻው’ውን ይፍለጥ።

መንግስቲ ብወገኑ ነዚ መሰል ስጉምትታት ሃገራዊ ደሕንነት ንናይ ምዝራብ ነጻነት ይቕድም ዝብል መልሲ ክህብ ምጽንሑ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG