ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተሓላቂ ጋዜጠኛታት- ሲፒጀይ፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዘራሪቡ


ብምትሕብባር ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተዳለወ ኣኼባ መንግስቲ ኢትዮዽያን ሲፒጀይን፣ወከልቲ ሲፒጄይ ምስ መንግስቲ ኢትዮዽያ ተራኺቦም ንክዘራረቡ ድልየት ከምዘለዎም ምስ ገለፁን፣ሰናይ ድልየት ከምዘሎ ብወገን ኢትዮዽያ ከምዝተራኣየን ዝተሳለጠ‘ዩ ተባሂሉ።

ድሕሪኡ ኣብ ልዕሊ ሲፒጀይ ዘልዐሎም ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ክልተኣዊ ልዝብ ከምዝተሳለጠ።ሓባራዊ ምርድዳእን መንፈስ ምክብባር ምፍጣርን ዝብሉ‘ውን ተላዒሎም ነይሮም ኢሎም መንግስታዊ ዋሃቢ-ቃል።

ሲፒጀይ ሻቅሎትና‘ዮም ኢሎም ዝሓሰብዎም ነገራት ኣልዒሎም’ዮም። እኹል መብርሂ’ውን ረኺቦም‘ለው ኢሎም ወሃቢ-ቃል መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣቶ ሽመልስ ከማል።

ብወገን ኢትዮዽያ ናብ ሰበ-ስልጣን ሲፒጀይ ዝቀረበ ኣጀንዳ ወይካኣ ሻቅሎት‘ውን ነይሩ።ካብ ሳልሳይ ወገን ንዝርከብ ዘይተረጋገፀ ሓበሬታ ተመርኲሱ መግለፂ ከውፅእ ከሎ፣ንሓቂ ዘዛብዕን መደናገሪን ከምዝኸውን ተገሊፁሎም‘ሎ።ስለዚ ሲፒጀይ ቅርብ ኢሉ መፅናዕቲ እንተዝፍፅም ተመራፂ ምኻኑ ተገሊፁሎም‘ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG